August 22, 2015

ሃና ቦል ፡ ኣዜብ ኣስራት
ጉዑዞ መሰረት ንምርካብ

Hannah Poolብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ኣብ ጋዜጣ ጋርድያን ብሪጣንያ እትሰርሕ ኤርትራዊት ጋዜጠኛ ሃና ቦል ታሪኽ ሂወት ዘዘንቱ መጽሓፍ ቅድሚ 10 ዓመት ማለት ብ2005 ብቤት ማሕተም ቤንጋን ብእንግሊዘኛ ወጺኡ ነይሩ። ብ2007 ድማ ካትሪን ቲማን ናብ ቋንቋ ፈረንሳ ብምትርጓም ብቤት ማሕተም ስዊዘርላንድ ተዘርጊሑ። ቅዳሕ ናይቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተሓትመ መጽሓፍ ብመገዲ ኣማዞን ክርከብ ይከኣል። ነቲ ኤርትራዊት ጋዜጠኛ ዘዳለወቶ መጽሓፍ ንምልላይ ኣብ ዝተገብረ ኣጋጣሚ ገለ ክፋል ካብ’ቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተሓትመ መጽሓፍ ኣንቢበ ነይረ። ናይ ብሓቂ ስምዒታት ዝቅስቅስ ብሉጽ መጽሓፍ እዩ። እቲ ብፈረንሳኛ ዝተተርጎመ’ውን እንተኾነ ትርጉም ክትብሎ ዘይክኣል ኣዝዩ ዝንኣድ ብሉጽ ስራሕ’ዩ ነይሩ። ኣገባብ ኣቀራርባ’ቲ መጽሓፍ ናይ ውድቀትን ትንሳኤን ምውልዋልን ድስካለን ዓሚቊ ሰብኣዊ ስምዒት ዘንጸባርቕ ድንቂ ስራሕ እዩ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ