February 12, 2021

ሓተታ፥ ፈንቅል ሓበን ወለዶታት!

ሎሚ 10 ለካቲት መበል 31 ዓመት ሓርነት ምጽዋዕ እዩ። ዝኽሪ ናይዚ ዕዙዝ ፍጻመ’ዚ ድማ፡ “ፈንቅል ንወለዶታት”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ቅጥዒታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ኣብ ግምት ብዘእተወ ጸቢብ መሰናድኦ ይኽበር ኣሎ።
ስርሒት ፈንቅል፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣብ ታሪኽ ወተሃደራዊ ግጥማት ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ፡ ብመሬትን ባሕሪን እጹብ-ድንቂ ቅያ ዝፈጸምሉ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ስርሒታት ሓርነታዊ ቃልስና እዩ። እዚ፡ ብወተሃደራዊ ስልቱ፡ ብበርቃዊ ቅልጣፈኡን ስፍሓቱን ኣገራሚ፡ ናይ መወዳእታ ሱር መግዛእቲ ፈንቂሉ፡ ሓርነት ኤርትራ ክውን ምዃኑ ዜግሃደ ወተሃደራዊ ስርሒት’ዚ፡ ንወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር ዘሐብን ታሪኻዊ ትውፊት እዩ።
ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ታሪኽና ጎሊሑ ዝጥቀስ ብርቂ ፍጻመ ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን፡ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈንቃሊ መጥቃዕቲ ክሰጋገሩ፡ ንዓመታት ዘሰላሰልዎ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ስራሕ፡ እቲ ዝነውሐን ዝበርተዐን፡ ሓያል ስራሕ፡ ብልሓት፡ ጽንዓትን ትዕግስቲን ዝሓተተ እዩ ነይሩ። ብሓጺሩ ስርሒት ፈንቅል፡ ድምር ውጽኢት፡ ናይቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ዘይተቘጠበ ደገፍ ርእሰ-ሓያላን

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ