February 27, 2016

ሓጺር ታሪኽ
ብዛዕባ
መዝገበ-ቓላት ትግርኛ

ሓጺር ታሪኽ ብዛዕባ መዝገበ-ቓላት ትግርኛዕዮ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ፡ ንተገደስቲ ልሳንያት ዜዕግብ ነዊሕ ታሪኽ የብሉን። ከመይሲ፡ እቲ ዝርካቡ ትግርኛ ጠቀስ መዝገበ-ቓላት፡ መብዛሕትኡ ናብ ወይ ካብ ካልእ ባዕዳዊ ቛንቛ ብምትርጓም እተዳለወ እዩ ዝነበረ።
ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ፣ ሒደትን ንኣሽቱን ትግርኛ-ጣልያንኛ ዝትሕዝቶኡ መዝገበ ቓላት ምንባሩ ዚክሓድ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ኻብዚ፡ ነቶም ገዛእቲ ብዜገልግል ኣገባብ እተዳለወ ደኣ`ምበር፡ ነቲ ቛንቛ ንምድንፋዕ ወይ ድማ ነቲ ወደባት ንምጥቃም ተባሂሉ እተገብረ ኣይነበረን። ካብቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣሊያ እተሳላሰለ ዕዮ ኣበርክቶ ነይርዎ

ኺብሃል ዚክኣል፡ እቲ ብኻህን ፍራንቸስኮ በዓል ባሳኖ ተሰናድዩ ብ1918 እተሓትመ ነበረ። ብድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያ ብትሕዝቶኡ ኣገዳሲ ዚብሃል፡ እቲ ብኣባ የውሃንስ ገብረእግዚኣብሄር ተዳልዩ ብ 1958 እተሓትመ፡ ኣስታት 19.000 እታው ዘስፈረ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ-ኣምሓርኛ እዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ፡ ወከፍ እታው ርእሱ ኽኢሉ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ መዝገበ-ቓላት፡ ካብቲ ቕድሚ ሽዑ እተሰላሰለ ስራሓት ፍሉይ ዚገብሮ ነገር እንተሎ፡ ትግርኛ ምስኡ ተመሳሳሊ ምስ ዝኾነ ቛንቛ ኣምሓርኛ ተነጻጺሩ ምድላው እዩ። እቲ ንኤርትራ ብሓይልን ብዕብለላ ቛንቋን ምስ ኢትዮጵያ ንምድንባር ዝነበረ ፓለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ግምት ከየእተኻ፡ ኣብ ምምዝጋብ ቃላት ጽቡቕ ኣበርክቶ ከም ዘስዓበ ዚክሓድ ኣይኮነን። ብድሕር`ዚ እውን፡ ብኡንብኡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ብኣቶ በርሀ ወልደማርያም ብ1960 ተሓቲማ ዝወጸት፡ ንእሽቶ ግና ስልጥትን ጠቓሚትን `መዝገበ ቓላት መርሓ-ሕጻናት` ምዝርጋሓ ይዝከር።

ንመጀመርታ ግዜ፡ ትግርኛ ብትግርኛ ዝትሕዝቶኡ መዝገበ ቓላት ዝወጸ፡ እቲ ብግምት ኣስታት 20,000 እታው ወይ ቃላት ዘሎዎ፡ ብመሪጌታ ግርማጽየን መብራህቱ ብ1984 እተዳለወ እዩ። ኣብዚ መዝገበ ቓላት እዚ፡ ወከፍ ቃል ርእሱ ኽኢሉ፡ እቲ ግሲ ድማ ብቦዝ ዓንቀጽ መልክዕ ተመዝጊቡ ኣሎ። ብጀካ`ዚ፡ ሱር ግሲ ወይ ኣርእስቲ፡ ከምኡ`ውን ትእዛዛዊ ዓንቀጽ ከምቲ ኻልእ ርእሱ ዝኸኣለ እታው ኮይኑ ተደብቲሩ ይርከብ። ብሓፈሻ ግና እቲ ዕዮ ኣብ ግስጋሰ እቲ ቛንቋ ዚንኣድ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ፡ ብፍላይ ድማ ብመንጽር እቲ ትግርኛ-ብትግርኛ ምዃኑ ኪርአ ኸሎ ፈላሚ ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ብጀካዚ፡ ካብዚ ቚሩብ ቅድም ኢሉ እተቐልቀለ፡ ብሓልዮ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ እተዳለወ መዝገበ ቓላት ትግርኛ-እንግሊዝኛ፡ ከምኡ እውን እንግልዝኛ-ትግርኛ-ዓረብኛ ኣሎ። እዚ፡ በብወከፉ ብግምት ኣስታት 25.000
እታው ዝሓዘ እዩ። ኣብዚ እውን፡ እቲ ዕዮ ብዙሕ ከም እተደኽመሉን ብፍልጠት ዝበሰሉ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኸም ዝነበርዎን ካብቲ ትሕዝቶኡ ብቐሊሉ ንምስትብሃል ይክኣል። ኣውራ ግና፡ እቲ ዕዮ፡ ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ `ውጹእ ትግርኛ` ጥራይ ዚብል ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዘይተቐየደ ምዃኑ እዩ። ስለዚ፡ ብዙሕ ካብ ባዕዲ እተለቕሐ ቓላትን ሓረጋትን ሓድሽ ኣምር ዝሓዘ ባህለታትን ሓቚፉ ይርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ጽሑፋዊ ቛንቛ ዘሰጋገረ ኽስተት እዩ እንተ ተባሀለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ኣይኮነን። ከምኡ እውን ብህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፡ ብሰብ ሞያ እተዳለወ ንእስ ዝበለ መዛግብቲ ቓላት ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብዚ፡ ኣስታት 1500 ናይ ሕክምና ቓላትን ዘይቤኡን ዝሓዘ መዝገበ ቓላት ምጥቃስ ይከኣል።

ቅድሚ ሕጂ፡ ብውልቀ ሰባት ተዳልዩ ኣብ ሕትመት ዘይበጽሐ ዕዮ መዝገበ ቓላት`ውን ነይሩ እዩ። ብፍላይ ሕጂ ኺጥቀስ ዚግባእ ግና፡ እቲ መምህር ሃብተ ዘርአ ዝጀመርዎን ምስ መታዓይይቶም ኣብ መወዳእታ 1987 ዝዛዘምዎ ብወግዒ ዚፍለጥ ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ፡ ትግርኛ ብትግርኛ ኾይኑ፡ ኣተኣታትዋ ቓላቱ ከከም እቲ ዝጥዕም፡ እንሓንሳእ ከም

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን