February 3, 2017

መልሲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ናይ ቐጠር ተለቭዥን “ኣልጀዚራ” ብ22 ታሕሳስ 2016 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብዙሕ ታሪኻዊ ጌጋታትን ፖለቲካዊ ምድንጋራትን ዝሓዘ ቃለ መሕትት ኣካይዳ ነይራ። ስለዚ ከኣ ነገራት ብምንጻር ቅኑዕ መረዳእታ ንምሃብ ብዛዕባ’ቲ ዝተዛረቦ መሰረታዊ ጉዳያት ከነቅርብ ንፈቱ።

ቀዳማይ፦ ብኣንጻር ናይ’ቲ ጋዜጠኛ “ኣልጀዚራን” ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዘለዎም ጉጉይ መረዳእታ ብታሪኻዊ መዳይ ሓበሻ ዝብል ቃል ነዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ዝምልከት ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ዝብል ስም ካብ 19 ክፍለ ዘመን ብፍላይ ከኣ ካብ እዋን መስራቲ ኢትዮጵያ ሃጸይ ምኒሊክ ካልኣይ ዝጀመረ እዩ። ሓበሻ ግን ንኹለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መጨረስታ 19 ክፍለ ዘመንን ዕስራ ክፍለ ዘመንን ናይ ሎሚ ዶባተን ቅድሚ ምንጻሩ ዝወሃበን ዝነበረ ስም እዩ። ከም ዝፍለጥ ኢትዮጵያ ህልዊ ዶባዊ መልክዓ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ማለት ፋሽስታዊት ኢጣልያ ምስ ተሳዕረት ብተጽዕኖ ኣሜሪካ ናይ

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ