March 12, 2016

መቕድም
“ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ – ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ”፡

tigrinya-book2016“ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ – ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ”፡ መቐጸልታ ናይቲ “ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብሰነ 2001 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ተሓቲሙ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቓልሲ፡ ማለት ኣብ 1987-1988፡ ክፍሊ ፓለቲካዊ ምንቕቓሕ ህ.ግ.ሓ.ኤ “ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ”ን፡ “መድርኽ ፈደረሽንን ጎበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያን” ዝብላ ጽሑፋት አሕቲሙ ነይሩ። ሽዑ ዝነበረ ሕጽረት ሓበሬታን ውሱንነት ዓቕምን እተን ጽሑፋት ተማሊኣን ንኽቐርባ አየኽኣለን። “ኣይንፈላለ”ን እዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍ ብዛዕባ ቐዳማይ ክፋል መድረኽ ፈደረሽንን፡ ነቲ ናይ`ቲ እዋን ሕጽረታት ኣማሊኡ ከቕርብ ፈቲኑ ኣሎ።

ኣብ መእተዊ ናይ “ኣይንፈላለ” ብስፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ሰነዳት ናይቶም በብጊዜኡ ዝገዝኡዋ ወገናትን ካልኦት ናይ ደገ ተዓዘብትን ጥራይ ክግለጽ ዘይክኣል`ዩ። ታሪኽ ኤርትራ ብኤርትራውያን ዝስራህ ክነሱ ግን፡ ማዕረ`ቲ ናይ ገዛእቲ ሰነዳት ክሰርዖ ብዝኽእል ኣገባብ ከይተሰነደ ሰለ ዝጸንሐ፡ ብዛዕብኡ ክጽሕፍ ዝብገስ ሰብ ብዙሕ ከም ዝጻገም ክፍለጥ ይግባእ። ካብኡ ናባኡ፡ እቲ ኣብ “ኣይንፈላለ” ሰፊሩ ዘሎ ናይ 1940`ታት ታሪኽ`ኳ ይሓይሽን ገለ ምንጭታት ይርከበሉን እምበር፡ እቲ ናይ…

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...