August 8, 2015

መቕድም

መቕድምእዚ መጽሓፍ`ዚ ብሩራዊ እዩቤልዩ ምፍራስ ግንባር ናቕፋን ምድምሳስ `እዚ ናደው`ን ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለወ እዩ። ነዚ እኩባ ዛንታታት ዝሓዘ መጽሓፍ ናይ ምስንዳእ ሓሳብ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣዩ ነቒሉ። ብማሕበራት ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ደገፍ ተገይሩሉ ከኣ፡ እንሆ ንንባብ በቒዑ። ኣብቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ስርሒት ምድምሳስ `ናደው እዝ` ብኣካል ዝነበሩ ውዕሎኦም እናዘከሩ፡ እናስተንተኑ፡ እናተደፋነቁ፥ . . . ፣ እቶም ኣብቲ ፍጻመ ዘይነበሩን ዘየርከቡሉን ወለዶ ከኣ እናተገረሙ፡ እናተሓበኑ፡ ኣናተነቓቕሑ፡ . . . ከንብቡዎ ትጽቢት ኣዳለውቱ እዩ።

ኣብ`ዚ መጽሓፍ`ዚ ቀሪቡ ዘሎ ዝኽሪታትን ዛንታታትን ብፍቕዲ ዓሰርተው-ኣርባዕተ ኰይኑ፡ ኣብ`ቲ ስርሒት ካብ ዝተሳተፉ ሰብ ታሪኽ ዝተረኽበ ሓቀና ዛንታታት እዩ። ገለኡ ንንባብ ዝምችው ኣዘናትዋ ሓጺር ዛንታ ዝኽተል ክኸውን እንከሎ፡ ገለኡ ከኣ ኣጸሓሕፋ ጦብላሕታዊ ዝኽሪ ዝሓዘ እዩ። ብሓፈሻ፡ ዋሕዙ ዝሓለወ፡ ብሩህን ንንባብ ዘይዕንቅፍን ሜላ ኣጸሓሕፋ ተከቲሉ ክቐርብ ተፈቲኑ ኣሎ። ኣንበብቲ ከኣ ነዚ ብዝተፈላለየ ኹርናዕ ቀሪቡ ዘሎ ዝኽሪታትን ዛንታታትን ኣንቢቦም ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ`ቲ ስርሒት ክረኽቡ ትጽቢት ኣዳለውቱ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣስራርዓ ናይ`ዚ ዛንታታት`ዚ መስርሕ ፍጻመ ናይ`ቲ ስርሒት ንምዕቃብ ተባሂሉ ብቕደም-ተኸተል ቀሪቡ ኣሎ። ገለ ክፍላ ናይ`ዚ ዛንታታት፡ ቅድሚ`ቲ ስርሒት ኣብ ግንባር ናቕፋ ንዝነበረ ቅያታት ዝገልጽ ኰይኑ ነቲ ድሒሩ ዝመጸ ዓወት ኣበርክቶ ዝነበሮ እዩ። ገለኡ ዛንታታት ከኣ ብቐጥታ ውዕሎ ናይ`ቲ ስርሒት ዝጸዊ ክኸውን እንከሎ፡ ገለኡ ከኣ ድሕሪ እቲ ዘሕብን ዓወት ኣብ ዝነበረ ሓጺር ግዜ ዘጋጠመ ፍጻመታት እዩ። ስለ`ዚ ብመስርዕ ምቕራቡ ነቲ ስእሊ ዝያዳ ብሩህ ክገብሮ ይኽእል`ዩ።

እዚ መጽሓፍ`ዚ ብሞያውያን ታሪኽ ዝተጻሕፈ፡ ንኩሉ መለክዒታት መጽናዕታዊ ኣቀራርባን ታሪኽ ዝተከተለ፡ ትሕዝቶን ቅጥዒን ኣካዳምያዊን ኣጸሓሕፋ ታሪኽ ዝለበሰ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ተዘክሮታትን ትዝታዊ ጦብላሕታታትን ገለ ተሳተፍቱ ዝሓቘፈ መጽሓፍ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ ኣካዳሚያዊ መጽሓፍ ታሪኽ ክምዝግቦን ከመሓላልፎን ዘይክእል ሰብኣዊ ታሪኽ ብስምዒትን ቃናን ፈጸምቱ ኣብ ምትሕልላፍ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ከም`ዚ ዓይነት መጽሓፍ፡ ንስፈ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ዘማዕርግ ቂሐ-ጽልሚ እዩ።
ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ እዚ መጽሓፍ`ዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ንንባብ ከም ዝበቅዕ ንዝገበሩ፣ ማሕበራት ምትሕግጋዝ ክፍላተ-ሰራዊት 85፡ 61፡ 96፡ 52፡ 16ን 70ን መካናይዝድ 74፡ ዜና፡ ሕክምናን መደበር ታዕሊምን የመስግን።

ብተወሳኺ፡ ዛንታታቶም ንዝጸወዩ ተጋደልቲን ኣሃዱታትን፡ ንጸሓፍቲን ኣርታዕቲን ከምኡ`ውን ኣሳእል ንዘቕረበ ጨንፈር ስእሊ ሚኒስትሪ ዜናን ሓላፍነት ምሕታም ንዝተሰከመ ኣሕተምቲ ሕድሪን ምስጋንኡ የብጽሕ።
ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን