August 31, 2019

መትከላትን ክብርታትን መስከረም

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ባሕቲ መስከረም ኣብ ከምዚ ዕለትን ወርሒን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብድምቀት’ዩ ዘኽብራ። እታ ናብ ደምሳሲ እሳተ ጐመራ ዝተሰጋገረት ቊልዒ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ከም ሓያል ማዕበል ናብ ጉዑዞ ናጽነትን ሓርነትን ብምግስጋስ፡ በቲ ካብ 1941 ክሳብ 1991 ንሓሙሽተ ዕቁዳት ዝቀጸለ ፍሉይ ጅግንነታዊ ቃልሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ወጽዓን ጸልማት መዋእልን ቀንጢጣቶ። ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ኣስታት 100 ሽሕ ካብ ብሉጻት ደቁ መባእ ናጽነትን ሓርነትን ብምኽፋል ድሙቕን ክቡርን ታሪኽ ሰሪሑ። ህዝቢ ኤርትራ ምጅማር ዕጥቃዊ ሰውራ ከኽብር ከሎ፡ በቲ ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኲናት ምክልኻል ሉኣላውነትን ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዳግመ

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን