March 27, 2021

መጋቢት፡ ወርሒ ዓበይቲ ግጥማት

ሓርነት ናቕፋ፡ ምድምሳስ እዚታት “ውቃው”ን “ናደው”ን፡ ግጥም እግሪ መኸል
መጋቢት፡ ኣብ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዘካየዶ ሓርነታዊ ኲናት 30 ዓመት፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ድሕሪ ናጽነት – ልዑላውነቱ ንምቕልባስ ዝተሃቀነ ዳግማይ ድፍረት፡ ደሚቑ ዝዝከር ወተሃደራዊ ዓወታት ዝተሓፍሰላ ወርሒ’ያ። ነታ ሓንሳብ ሓራ ምስ ወጸት ዳግም ብሰራዊት መግዛእቲ ዘይተደፍረት፡ ትእምርቲ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ናቕፋ ሓራ ዘውጽአ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ብ22 መጋቢት 1977 እዩ ተፈጺሙ። ሓርነት ናቕፋ፡ ኣብ ግዜኡ ፍናን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘዕረገ፡ “ሎሚ ናቕፋ፡ ጽባሕ ኣስመራ!” ዝብል ተስፋ ኣስኒቑ፡ ነቲ ስዒቡ ብልዑል ናህሪ ንሰፊሕ ከባቢታት ሃገር ሓራ ዝገበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት 1977-1978 ዓቢ ድርኺት ዝፈጠረ’ዩ ነይሩ። ከምዝፍለጥ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ኲናት፡ ዘራያት እናተበራረይሉ፡ ብዘይዝኾነ ደገፍ፡ በይኑ ኣንጻር ናይ ምዕራብን ምብራቕን ሓያላት ዝገጠመ ህዝቢ’ዩ። ኣብ መወዳታ 70ታት፡ ሰውራ ኤርትራ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብርእሰ-ሓያል ኣመሪካ ዝድገፍ ዝነበረ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ስዒሩ፡ ናጽነት ከረጋግጽ ተቓሪቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ምስ’ቲ ዝነበረ ናይ ዝሑል

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን