May 4, 2019

መጽሔት መንእሰይ ኣብ
መኸተን ልምዓትን

መጽሔት መንእሰይ፡ ከም መቐጸልታ ጋዜጣ ትርግታ፡ ወግዓዊት ልሳን ሃማመተኤ ብምዃን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2004 ኣሃዱ ኢላ ዳግም ክትሕተም ጀሚራ። በዛ ሕታም ቁጽሪ 61 ድማ ናይ ዓመተ 2019 ስርሓ ትፍልም ኣላ። በዚ ኣጋጣሚ፡
ንኹሎም ኣዳለውታ፣ ጽሑፋትን ሓሳባትን ዘበርክቱላ ግዱሳት፣ ኣንበብቲ፡ ሓተምቲን ዘርጋሕታን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከቡ ብምዕባለኣ ዝግደሱ ኣባላት ማሕበርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን፡ “ርሑስ ሓድሽ ዓመት – ዓመተ ራህዋን ዕብየትን” ይግበረልና ትብል። እዛ ሓዳስ ዓመት፡ ናብ ዝተፈልየ ታሪኻዊ ምዕራፍ ብምስግጋር ኢና ንፍልማ ዘለና። ዝሓለፈ 20 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ምስ ከቢድ ብድሆታት ክገጥም ዝተገደደሉ እዋን መኸተ’ዩ ነይሩ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዝተፈላለየ ግሁድን ስዉርን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ሽርሒታት ብምእላም፡ እንተላይ ዓማጺን ዘይሕጋዊን እገዳ ብምስግዳድ ንምንብርካኽና ዝተኻየደ ሃቐነ፡ ምስ ከውሒ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራን መንእሰያቱን ተራጺሙ፡ ኣብ መወዳእታ ሓይሉ ጸንቂቑ ዘፍ ኢሉ። መጽሔት መንእሰይ፡ ኣብዚ ነዊሕ ናይ ድርብ መኸተ ዓመታት፡ እዋናዊ ፖለቲካዊ ጽሑፋት እናአንገደት፡ ወድዓዊ ትንታነታት ብምቕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝተኣልመ ውዲታትን ሽርሒታትን እናቃልዐት፡ መሰነይታኡ ዝኾነ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ