October 23, 2021

ርእስ-ዓንቀጽ “ዝበርዓነ ውጥን ዕብለላ”

ኣብ 1989፡ ምውዳቕ “ሶቭየት-ነበር” ስዒቡ ዝተፈጥረ ዓለማዊ ኩነት፡ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ጥራሕ ኣይነበረን። ሓደ ህሩፍ ሕልሚ እውን ኣንቂሉ እዩ። ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣመሪካ፡ “ድሕሪ እምብራጦርያ ሮማ፡ ኣብ ዓለምና ከምዚ ናትና ገይራ ሓንቲ ሃገር ዝዓበለለትሉ እዋን የለን” ብዝብል ኣጉል ገምጋም፡ ብናቶም ረብሓን ስነ-ሓሳብን ዝምእዘን “እንኮ ቀጽራዊ ዓለም” ንምፍጣር ውሃ-ዝበለ ውጥን ሓንጺጾም። ሕልሚን ክውንነትን ግን በበይኑ እዩ። ዓለም ናታ ሕግታትን ዳይናሚዝምን ኣለዋ። እንሆ ድማ፡ እቲ ሕልሚ ክበንን ይርአ ኣሎ።እዚ ሎሚ እንዕዘቦ ዘለና ቀጨውጨው ኣመሪካ እምበኣር፡ ብገፊሕ ስእሊ ክርአ እንከሎ፡ ብዓለም ደረጃ ናይ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣመሪካ ዝቘልዐ ውጥናት ዕብለላ ዘኸተሎ ወጥሪ እዩ። “ደጊም ዓለም ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርና እያ። ብቑጠባ፡ ብቴክኖሎጂ፡ ብወተሃደራዊ ጸብለልትነት ዝወዳደረና ኣይክህሉን’ዩ! ክህሉ እውን የብሉን! ክህሉ ድማ ከነፍቅድ ኣይኰናን!” ተባሂሉ ዝተኻየደ ዕንደራታት. . . ሎሚ ኣብ ከመይ ኩነት ከምዝርከብ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ እዩ። ብደረጃ ዓለም እንተተዓዘብና፦ – ነታ ቀዳመይቲ ተወዳዳሪት ክትከውን ትኽእል’ያ ዝተባህለት ሩስያ ንምድራት (containment) ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን መጻብቦታት፣ ፋይዳ ኣይተረኽቦን።
– ቻይና “ከም መመስርሒ መኪና ቁጠባዊ ዕብለላ ክንጥቀመላ ኢና” ማለት፡ “ንዘለዋ ሕሱር

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ