April 14, 2018

ርግጸት ልዕልና ሕጊ ይኣክል!

13 ማዝያ 2002 ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዚቘመ ዳናዪ ኮምሽን፡ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ብይኑ ዚሃበሉ ዕለት እዩ። እቲ ብይን ካብ ዚወሃብ ዝመጽእ ዓርቢ 16 ዓመቱ ክመልእ እዩ። ካብ ግንቦት 1998 ክሳብ ሰነ 2000 ዓ.ም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝተኻየደ ቅሉዕን ዘይምኽኑይን ወራር፡ ብሓያል መኸተን ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተረዂመሸ፣ ኣብ ወርሓት ስነን ታሕሳስን ናይ 2000 ዓ.ም.፡ ነቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ኲናት ንምዕራፍ፡ ኣብ ኣልጀርስ ክልተ ስምምዓት ሰላም (ኣፈናዊን ኣጠቓላልን) ከምእተኸተሙ ይዝከር። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ኣናን፡ ዋና ጸሓፊ ው.ሓ.ኣ. ሳልም ኣሕመድ ሳልም፡ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማድሊን ኦልብራይት፡ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልዓዚዝ ቡተፈሊቃ፡ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሚስተር ሪኖ ሰሪ ድማ፡ ኣውሓስቲ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ብምዃን ክታሞም ኣንቢሮምሉ።

ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቘፈ ዘይሻራዊ ዳናዪ ኮምሽን ክምስረት ዝእዝዝ ኮይኑ፣ እቲ ዝቐውም ኮምሽን፡ ንዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝምልከት መግዛእታዊ ውዕላት (Pertinent Colonial Treaties) 1900፤ 1902፤ 1908፤ ከምኡ’ውን ምስ ጉዳይ ዶባት ተዛማድነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ሕጊ (Applicable International Law) ምርኩስ ብምግባር ብይኑ ድሕሪ ምሃብ፤ ዶባት ሓንጺጹ ኣብ ባይታ ከመልክት ስልጣን ዘሰክሞ እዩ።

በዚ ውዕል’ዚ ዝቘመ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ዝቐጸለ ልዕሊ ሓደ ዓመት፣-
– ክልቲኦም ወገናት ሕጋዊ ጭብጢታቶም ከቕርቡ ዕድል ብምሃብ፤
– ብክልቲኦም ወገናት ዝቐረቡ ብዙሓት ሰነዳትን ዝተፈላለዩ መርትዖታት ብምምርማር፤
– ስምምዕ ኣልጀርስ ብዘሰከሞ ሓላፍነት መሰረት፣ ዝምልከቶም መግዛእታዊ ውዕላትን ተዛማዲ ኣህጉራዊ ሕጊታትን ምርኩስ ብምግባር፣ ብ13 ማዝያ 2002 ውሳነኡ ሂቡ።
ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ዳናዪ ኮምሽን ዜውጽኦ ዝርዝራት ኣፈጽጻማን፡ እቲ ብይን ክሳብ ሕዳር 2003 ኣብ ዚነበረ ግዜ ኣብ ባይታ ተተግቢሩ፡ ክድምደም ዚነበሮ እዩ። እንተኾነ ወያነ፡ ብኣይዞነት ኣሳሰይቱ፡ ልዕልና ሕጊ ስለእተሓሰመ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን መትከላትን ተረጊጹ፡ እቲ ብይን ክሳብ ሎሚ ካብ ፈጽሚ ተዓጊቱ
ኣሎ። በቲ ዝተፈጥረ ዕንቅፋት ዕማሙ ብምልኣት ኪፍጽም ዘይከኣለ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዶባት ብማንዛ ሕንጻጻት (ቪርችዋል ዲማርኬሽን) ኣብ ካርታ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሕዳር 2007 ስርሑ ብወግዒ ከምዚዛዘመ ኣፍሊጡ። ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዚነበረ ኣብያተ-ጽሕፈቱ ኣብ ዚዓጸወሉ እዋን፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዚጸሓፎ ደብዳበ ከምዚ ይብል፦
“ኢትዮጵያ፡ እቲ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ኪኸውን ዝተሰማማዓትሉ ብይን፡ ኣብ ባይታ ኪትግበር ድልየትን ቅሩብነትን ኣየርኣየትን። እቲ መስርሕ ኪቕጽል ተስፋ ስለዝተሳእኖ ከኣ፡ ኮምሽን ኣብያተ-ጽሕፈቱ ኪዓጹ ተገዲዱ ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ብ13 ማዝያ 2002 ብዝተዋህበ ውሳነ ዝተሓንጸጸ፡ ኣብ ሕዳር 2007 ድማ ብቨርቺዋል ምምልካት ተነጺሩ ዘሎ ዶብ፡ ንክልቲኦም ወገናት ቀያዲ ምዃኑ የፍልጥ። ነዚ ዶብ’ዚ ዝጻረር ወይ ዝጥሕስ ዝኾነ ተግባር ከኣ ዘይሕጋዊ እዩ።”

እዚ ዕንቅፋት’ዚ፡ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ብዜስዓቦ ናይ ግዜን ዕድላትን ክሳራ፡ ቀንዲ ተሓታቲ፡ እቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሱ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጡ ዚርከብ፡ ወራሪ ስርዓት ወያነ እኳ እንተኾነ፡ ክብረት ስምምዓትን ውሳነ ኮምሽንን ኬተግብር ሓላፍነት ዝተሰከመ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮነ፡ ኣውሓስቲ ናይቲ ስምምዕ እውን ግዴታኦም ብዘይምልዓሎም ተወቀስቲ እዮም። ልዕሊ ዚኾነ ወገን ከኣ፡ ትግባረ ናይቲ ብይን ሓኒቑ ኪሕዞ ዚወሰነ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ምምሕዳር ኣመሪካ ተጠያቒ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ጽሑፍ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዚነበረ ጆን ቦልተን ምርግጋጹ ይከኣል።
ጆን ቦልቶን፡ ኣብታ “Surrender is not an option” እትብል መጽሓፉ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ንምፍራስ፡ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዋህቦ መምርሒ ከምዚ ኪብል ኣስፊርዎ ኣሎ፦
“ኣነ ብዘይተረድኣኒ ምኽንያት፡ ናይ ሽዑ ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጃንዳየ ፍሬዘር፡ እቲ ‘ጌጋ’ዩ ነይሩ’ ኢላ ዝደምደመቶ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን 2002፡ ዳግማይ ክርአን ዚበዝሕ ክፋል ናይቲ ዜሰሓሕብ ግዝኣት ንኢትዮጵያ ዚወሃበሉ ኩነት ኪፍጠርን፡ ኣብ ለካቲት (2005) ሓሳብ ኣቕሪባተለይ ነይራ። እቲ ጉዳይ ንባይቶ ጸጥታ ብኸመይ ከምዝገልጸሉ ስለዝሓርበተኒ ግን ኣየቕረብክዎን።”
ብዊኪሊክስ ዚለሓዀ ሓበሬታ እውን፡ ኣብ ሕዳር 2009፡ ወከልቲ ኣመሪካ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያንን ሽወደንን ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ወኪል
ኣመሪካ፡ “ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ መተካእታ ዘይብላ መሓዛ ኣመሪካ” ምዃና ብምግላጽ፡ “ኣመሪካ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘለዎ ደስኪሉ ኪጸንሕ” ከምእትደልዮ ምዝራቡ ይጠቅስ።
ባይቶ ጸጥታ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ድርብ መለክዒታት ርሒቑ፡ ዝተፈጸመ ግህሰት ልኡላውነትን ጎበጣን ብትሪ ብምቅዋም፡ ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ዝጠሓሰ ወገን ስጉምቲ ዝወስድ፡ ኮር ተገልበጥ ኣብ ልዕሊ’ታ “ግዝኣተ-ሕጊን ኣህጉራዊ መትከላትን ይከበር” ኢላ ዚሞጎተት፡ መሬታ ዝተወረ ኤርትራ ዘይምኹኑይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕ.ሃ. ሰፊሩ ንዝርከብ፡ ናይ ርእሰ ምክልኻል መስላ ዝግህስ እገዳ ኣብ ምውሳን መጋበርያ ኮይኑ እዩ።

ናይዚ ዚሓለፈ 16 ዓመታት ዛንታ እምበኣር፡ ንስለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ርግጸት ግዝኣተ ሕጊ ብምስሳይ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን መትከላትን ንፍዂሰት ዝተቓልዕሉ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባናን ከኣ፡ ግዜን ብዙሕ ዕድላትን ዝኸሰርሉ ዘሕዝን ዛንታ እዩ። ዝተፈጸመ ዓመጽ ንምኽዋል ምዕልባጥ፡ ብዕድል ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተጻወትካ ህድማ ንቕድሚት ግን ክሳብ መዓስ?
ብኣጋጣሚ መበል 16 ዓመት ውሳነ ኮምሽን ዶብ እምበኣር፡ እቲ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰትን ዚወርድ ዘሎ ዕንወትን ብዘይውዓል ሕደር ኬብቅዕ፡ ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን “ናይ ኲናትን ጽልኢን ምዕራፍ ብናይ ምትሕግጋዝን ብሓባር ምንባርን መድረኽ ክዕጾ ኣለዎ። ጉርብትና ህዝብታት ምርቓ እምበር መርገም ኣይኮነን” ዝበሎ፡ እዚ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መላእ ዞባናን ዘሪጉ ዝርከብ ሃዋህው ኣኽቲሙ ናይ ልምዓትን ምትሕብባርን ሓድሽ መድረኽ ክፍጠር፣ ርግጸት-ሕጊ ንምኽዋል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተስገዲዱ ዝጸንሐ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ዓማጺ እገዳ ብቕጽበት ተሰሪዙ፡ ክብረት ልዕልና ሕጊ ኪሕሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ብፍላይ ግዴታኦም ኪፍጽሙ ኤርትራ ደጊማ ትጽውዕ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን