October 22, 2021

ቀዳሞት ግጥማት ሓርነታዊ ቃልሲ
መስዋእቲ ሓምድ ኣድሪስ ዓዋተ
28 ግንቦት 1962

(7)

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ድሕሪ’ቲ ብ20 ግንቦት 1962 ዝተኻየደ ውግእ ኣሜሊ፡ ሰሙን ጸኒሑ፡ ሰንበት መዓልቲ፡ መሬት መስዩ ዓይኒ ምስ ሓዘ ሓምድ ምስ ሻድሻይ ርእሱ ኣብ ተሽኪል ደቂሶም ነበሩ። ሓምድ ኣብ ጥቓ ክቡብ፡ ካልኦት ፋሕ ኢሎም። ለይቲ ኣብ እዋን ከውታ ሓምድ ተበራቢሩ ንክቡብ፡ “ብረተይ ኣብ ጥቓኻ ግበሮ” ኢሉ ምስ ዕጥቁ ድፍእ ኣበለሉ። ክቡብ ሓጃጅ ንሓምድ “ስለምንታይ?” ኢሉ ሓተቶ። ሓምድ፡ “ተጸሊኡኒ ኣሎ!” ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ኣይተዛረበን። ነጸላኡ ተጎልቢቡ በጥ በለ። ብድሕሪኡ ቃል ኣየውጽአን። ክቡብ’ውን ደጊሙ ኣይሓተቶን። ደቂሶም ሓደሩ። ኩሉ ግዜ፡ ወጋሕታ ንሓምድ ቀዲሙ ዝበራበር ኣይነበረን። ሰኑይ ንግሆ ግን፡ ኩሎም ቀዲሞሞ። ሰጊዶም’ውን። ናይ ስጋ ኮይናቶ “ደሓንዶ ኣይኮነን’ዩ” ኢሉ ቀዲሙ ንሓምድ ከተንስኦ ዝኸደ ዓዋተ መሓመድ ፋይድ ነበረ። ‘ሓምድ! ሓምድ!’ ኢሉ ብስሙ እናጸውዐ ነቕነቖ። ክቡብ “ያሸኽ ከዕርፍ ዘይትሓድጎ! ተጸሊእዎ ኣሎ ይደቅስ ግደፎ፡” ኢሉ ካብኡ ከምዝርሕቕ ገበሮ። ነዚ ዘስተብሃለ ኣሕመድ ጋድፍ ብግደኡ ናብ ሓምድ ከይዱ ነቕነቖ። ሽዑ’ውን ሓምድ ኣብ ጥዑም ድቃስ ከምዝነበረ ኣስተርሕዩ ምዕይ ኣይበለን። እቲ ምስኡ ዝሓደረ ክቡብ ባህርይኡ ርግእ ዝበለ እዩ። ህድእ ኢሉ ድማ፡ “ሓምድ ተንስእ’ባ ጸሓይ’ኮ በሪቓ’ያ” በሎ፡ ድቃስ ዝኸልኦ ዘሎ እናመሰሎ ብስክፍታ። መልሲ ግን ኣይነበረን። ክቡብ ተጠራጠረ። ተቐላጢፉ ንመትንታት ኢዱን ልቡን ዳህሰሶ። ሰውነቱ ውዑይ’ዩ ዝነበረ። ትርግታ ልቡ ግን ኣቋሪጹ፡ ዳርጋ ሽዓ’ያ ትንፋሱ ሓሊፋ። ተሰዊኡ፡ ሰኑይ 28 ግንቦት 1962።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ