October 5, 2013

ቃለ መሕትት ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

مقابلة فخامة الرئيس اسياس افورقى مع وسائل الأعلام الارترية

ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ
ክቡር ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ዝምልከት እዚ ዝስዕብ ሰፊሕን ዓሙቕን ቃለ መጠይቕ ኣካይዶም።

ክቡር ፕረዚደንት ዘለናዮ ቅነ ብኣቈጻጽራ ፈረንጂ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ቅነ ምስግጋር ወቕቲ ካብ ክራማት ናብ ቀውዒ እዩ። ስለ’ዚ ምስዚ ኣተኣሳሲርና ሕቶታትና ብመደባት ውሕስነት መግቢ ክንጅምሮ ኢና። ክራማት ሎምዘበን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዙሕ ዘዕግብ ከም ዘይነበረ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ጸገማት እዚ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ከም ምዃኑ መጠን መንግስቲ ካብዚ ጸገም እዚ ንምንጋፍ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ሃገር ብዙሓት ማእከሎትን ዓበይትን ሓጽብታት ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ሓጽብታት እዚ ጭቡጥ ውጽኢት ምእንቲ ክርከቦ ክማላእ ዘለዎ ስርሓት ከምኡ’ውን ንምዕባለ ሕርሻን ኣግሮ ኢንድስትርን ብዝምልከት ዘሎ ሃገራዊ ውጥን እንታይ ከምዝመስል ዘሎ ትግባረኡ ከ ኣብ ምንታይ በጺሑ ከም ዘሎ ከተብርሃልና?

ዝናብ ኩሉ ግዜ ዘተኣማምን ኣይኰነን። ንኣብነት ኣብ ነንበይኑ ከባቢታት ኤርትራ ዝዘነበ ዝናብ ንነዊሕ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ እንተ ርኢኻዮ፡ ብዘይካ ካብ ትጽቢት ናይ ዝናብ ሓራ ምዃን፡ ዝኾነ ካልእ ሕርያ ዝበሃል የለን። ወላ’ውን እቲ ዝወሓደ እዋናት፡  ኣብ’ዛ ኤርትራ እትበሃል ሃገርና ዓመት ዓመት ዝሃርም ማይ ኣብ ሓደ መዕረቒ ክንእክቦ እንተ ንኽእል’ሞ፡ ኣብ ዝሓንጸጽናዮ ቦታን ብዝደለናዮ ዓቕንን እነተ ንዝርግሖ፡ እንታይ ምመሰለ ኢልካ እንተ ሓሲብካ፡ ኣብ’ቲ ዝኸፍአ እዋናት’ውን ሕመቕ ናይ ማይ ኣይመሃለወን። እንተ ዀነ ግን ካብ ዝናባዊ ሕርሻ  ሚእቲ ካብ ሚእቲ ክትገላገል ዝሕሰብ’ውን ኣይኰነን። ካብ ዝናባዊ ሕርሻ ናብ መስኖኣዊ ሕርሻ ንኽትሰጋገርን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዘሎ ረብሓ ንተጸባይነት ብስሩ ከም ዝፈትሖ ንምግባርን፡ ኣብ ክንዲ ንሃልኪ ጥራይ ዝኣክል ምህርቲ፡

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን