February 11, 2017

ቃለ-መሕትት ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

-ክቡር ፕረዚደንት፡ መጀመርታ ርሑስ ሓድሽ ዓመት! ንዓኻን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ተኸታተልትና ኣብ ውሽጥን ወጻእን። ሓድሽ ዓመት ክመጽእ ከሎ፡ ዝሓለፈ ዕዮ ምግምጋምን ብዛዕባ መጻኢ መደባት ሓበሬታ ምሃብን ኣገዳስን ልሙድን እዩ’ሞ፡ ንዘቤታዊ፡ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ናይ ዝሓለፈ ዓመትን መጻኢ ኣመቱን ዝምልከት ሕቶታት ቀሪብና ኣለና። ነዚ ዕድል እዚ ስለ ዝሃብካና ብስም ተኸታተልቲ ነመስግን. . . ብዘቤታዊ ኩነታት ክንጅምር።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ክትግበሩ ተወጢኖም ካብ ዘለዉ መደባት ኣብ’ቶም ቀንዲን ዓበይቲን ዕማማት ኣተኵርካ መብርሂ ክትህበና?

መጀመርታ፡ በዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ኣጋጣሚ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክብል እፈቱ። ብጽዓት እንተደኣ ጀሚርና፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ናይ 2017 መደብ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ከሻቕል ዝጸንሐ ኣርእስቲ ናይ ልምዓት እዩ። ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ንምንታይ ቀዳምነት ይወሃቦ? ኣገዳስነቱ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት እንታይ እዩ? ኣበርክቶኡ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ብኸመይ ይግምገም? ኢልና ኣብ ብዙሓት ኣርእስትታት ክንኣቱ ንኽእል ኢና።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ