January 20, 2018

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ፡ ብታንክታትን ነፈርትን ዝተሰነዩ ወተሃደራት ግብጽን ኢማራትን ኣብ ሳዋ ከም ዝዓስከሩ ኣጋዊሓ ነይራ። እዚ ወረ’ዚ ከኣ ከም ዘለዎ፡ ብዘይ ዝዀነ ምጽራይ፡ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ተደጋጊሙ። መበቈልን ዕላማን ናይ’ዚ ወረ’ዚ እንታይ’ዩ?

እቲ ወረ፡ ካብ ኣቡደቢ ክንምለስ ከለና እየ ኣብ ነፋሪት ሰሚዐዮ። ኣብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ከይኣተኻ፡ እንታይ’ዩ እቲ ጉዳይ እንተደኣ ኢልካኒ፡ ‘ጆክ’ ናይ 2018 እየ ዝብሎ ኣነ። ኣብ’ቲ ቀንዲ ትሕዝቶ፡ ብዙሕ ኣርእስትታት ኣዛሚድካ ክዝረበሉ ዝከኣል’ዩ። እዚ ማለት – እንታይ’ዩ እቲ ዕላማ? ናይ ግዜ ኣጋጣሚኸ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል? ምስ ካልእ ዝተፈላለዩ ኣብ’ዚ ዞባና ወይ ጐደቦና እንብሎ ከባቢ እንታይ ምትእስሳራት ኣለዎ? ብዙሓት ሕቶታት ኣልዒልካ ክዝረብ ይከኣል’ዩ። ሓድሽ ኣርእስቲ ከኣ ኣይኮነን። ቅድሚኡ ፈንዮምዎ ዝነበሩ ናይ ሓሶታት ዘንቢል ኣሎ። ኣብ’ዚ መወዳእታ ዘይብሉ ዘንቢል’ዚ ዘይእከብ ነገር የለን። ኣብነት ኣልዒልካ ብዙሕ ክጥቀስ ዝከኣል’ኳ እንተኾነ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓሶታት ሳዕቤናቶምን ኣመዓባብላኦምን ክርአ እንከሎ. . .ኣነ ናይ ጸሮና እዩ ዝዝከረኒ። ኣብ ጸሮና፡ ቅድሚ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ብካድረታት ወያነ፡ ነቶም ወተሃደራቶም ‘ኣብ’ቲ ግንባር ግብጻውያን ወተሃደራት…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን