November 10, 2018

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ታሪኻዊ ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሉ ብዙሕን ቅልጡፍን ፍጻመታት ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣለና። ናብ’ዚ ዝቐንዐ ቃለ-መሕትት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀዳማይ ክፋሉ እነሆ፦

ክቡር ፕረዚደንት፡ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንፍትሕን ሓርነትን – ከቢድ መስዋእቲ ዘኸተለ ናይ መዋእላት ቃልሲ ኣካይዶም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ድሕሪ 16 ዓመት ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ንዝተመርኮሰ ሕጋዊ ውሳነ ከተግብሮ ቅሩብነቱ ኣረጋጊጹ። በዚ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ብኽልቲኡ መንግስታት ተባዕ ስጉምትታት ይውሰድ ኣሎ። ፖለቲካዊ ድሕረ- ባይታ ናይ’ዚ ክስተት’ዚ እንታይ እዩ?
ናይ ዶብ ሽግር፡ ናይ ኮሚሽን ውሳነ. . . ዝበሃል ገጂፍ ኣርእስቲ ኣይኮነን። ንሱ ስለዝተኣወጀ ሓድሽ ክስተት መጺኡ ክትብል ከለኻ፡ ካብ መቓኑ ተውጽኦ ኣለኻ። ምኽንያቱ፡ ናይ ዶብ ሽግር ስለምንታይ? ስለምንታይከ ውሳነ ናይ ቤት-ፍርዲ ተቐባልነት ከይረኸበ ጸኒሑ? እንታይ እዩ ሕጂ ፍሉይ ዝገብሮ? ኢልካ ናብታ ጉዳይ እቲኣ ንበይና ከተተኩር እንተ ጀሚርካ፡ ነቲ መቓን (context) ኣይትሕዞን ኣሎኻ። ሕጂ፡ ጉዳይ ዶብ ንምድቕቓስ ዝተዋህበ ውሳነ ተቐባልነት ስለዝረኸበ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ሓድሽ ክስተት መጺኡ ማለት – ነቲ ፍጻመ ንገዛእ-ርእሱ፡ ነቲ መድረኽ፡ ነቲ ኣቲናዮ ዘለና መዋእል ብግቡእ ክትርድኦ ኣጸጋሚ እዩ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ