February 22, 2021

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ብረቡዕ 17 ለካቲት 2021 ብሬድዮን ቴለቪዥንን ኤርትራ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ዝርዝር ትሕዝቶኡ ይስዕብ፦

·        ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብጃንዳ ወያነ ዝተወስደ ሰፊሕን ኣዳህላሊን መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ግጭትን ምእላይ ናይቲ ጃንዳን ኣስዒቡ ኣሎ። እዚ ኩነታት እዚ ኣመቱ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ጽልዋኡ ብደረጃ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ መስርሕ ሰላምን ዝምድናን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ይግምገም?
= ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዕረያ ወይ ጽገና ተበግሶ ምስ ተወስደ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ምምስራት፡ ‘ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ምትሕግጋዝ’ ዝብል ምርጫ ምውሳዱ፡ ከም መቐይሮ ዝሕሰብ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ምስተኣወጀ ዝነበረ ህዝባዊ ስምዒት ኩልና ንዝክሮ እዩ። ሰላም ኮይኑ፡ ቀሲንና ክንነብር ኢና፡ ኣብ ልምዓት ከምዝን ከምቲን ክንገብር ኢና ዝብል ተስፋ ፈጢሩ። ኣመት ናይዚ ሃዋህው’ዚ፡ ጸወታታት ጃንዳ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘብቀዐ ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ።
እዚ ሕጂ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝተኸስተ፡ ሰብ ክጽበዮን ክሓስቦን ዘይክእል ዓንዳሪ መጥቃዕቲ ከመይ ኢሉ መጺኡ? እንታይ እዩ ናብኡ ዘብጸሐ? ብዕምቆት ክፍለጥ ዘለዎ እመስለኒ። ከም ኣርእስቲ ንበይኑ ሒዝካ ብስፍሓት ክዝረበሉ ዝኽእል

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን