October 13, 2017

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ7 ጥቅምቲ፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባትን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ቃለ-መሕትት፡ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣካዪዱ። ኣብ’ዚ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ ቃለ- መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ውሕስነት መግቢ ዘሎ ኣተሓሕዛን ገስጋሱን፡ ክዘና ማይ ንምዕባይ ዝተተግበሩ ፕሮጀክትታትን ናይ መጻኢ መደባትን፡ ናብ መስኖኣዊ ሕርሻ ንምስግጋርን እቶት ንምኽዕባትን ዝተገብረ ወፍሪን ውጽኢቱን፡ ሸርፊ ባጤራ ንምርግጋእን ኮንትሮባንድ ንምቊጽጻርን ክካየድ ዝጸንሐ ስራሓት፡ ኣብ መተካእታ እታው ዝነጥፍ ኢንዱስትሪያዊ ብሕታዊ ክፋል ንምስታፍ ዘሎ ተኽእሎን ብመንግስቲ ክግበር ዝግባእ ምትብባዕን፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ብመንጽር ዝጽበየና ዘሎ ሰፊሕ ልምዓታዊ መደባት፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይሊ መኸተኡን፡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ምዕባር ክራማት ሎሚ-ዘበን ተፈጢሩ ንዝነበረ ሻቕሎትን መደባት ውሕስነት መግቢን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ውሕስነት መግቢ ከም ናይ መወዳእታ ዕላማ ክውሰድ ስለዘይከኣል፡ ኪኖኡ – ኣብ ዓይነታዊ ለውጢ መነባብሮ ክትሓስብ ከምዝግባእ፡ እቲ ቀዳማይ ረቛሒ ድማ ምፍዋስ ማይ ክዖታት፡ ምቊጽጻር ማይ፡ ምድላው መሬት፡ ምውዳድ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጽን ምትእትታው ቴክኖሎጂን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝተዋህለለ ተመኲሮ ቀሊል ከምዘይኮነን ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ተበጺሑ ከምዘሎን፡ ንዝበረኸ ውጽኢት ድማ ንኹሉ ዓቕሚታትና ብግቡእ እናኣጐሳጐስና፡ ዓጸፋ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊጹ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን