April 9, 2021

ቃል ኣሰናዳኢ

ብርሃን ብሩህ መጻኢና ዝያዳ ቀሪቡ ኣብ ዝርኣየሉ መድረኽ በጺሕና ኣለና። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ እዋን፡ ኣብዚ ሃገር’ዚ ክፍጠር ዝኽእል ዕድላትን ክመጽእ ዝኽእል ሱር በተኽ ቁጠባዊ ለውጢን ዕብየትን ኣዝዩ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ። ናብ’ዚ ትስፉው ግዜ’ዚ ንምብጻሕ ዝተሰግረ መስገደላት ግን፡ እምበረ መጠን በዳሂን ዓቕሊ ዝፈታተንን እዩ ነይሩ። ሳላ’ቲ ክምህ ዘይብል መኸተና፡ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ፡ ሳላ ውፉይ ጻዕሪን መስዋእቲን መንእሰያት ግን፡ ነቲ ልዑል ተጻዋርነት ዝሓተተ ጸዋግ ግዜ ሰጊርና፡ ናብ ድሙቕ ብርሃን ዝወስድ ውሑስ መስመር ረጊጽና ኣሎና። ናይ ቀረባ መጻኢና ኣዝዩ ብሩህን ትስፉውን ይኹን’ምበር፡ ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ነዚ ኣብ ቅድመና ዘሎ ባና ትስፉው መጻኢና ንምድማቕ፡ ሓጺር ናይ ጻዕርን ተወፋይነትን መድረኽ ክሓተና ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ፖለቲካዊ ብቕዓትን ንቕሓትን ኣዕሪግና፡ ግዝያዊ ጸገማት እናበዳህና፡ ጸዓትና ኣወሃሂድና ተተሓሒዝናዮ ኣብ ዘሎና ኩሉመዳያዊ መደባት ልምዓትን ድሕነትን ከነኽትት ከድሊ እዩ….

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ