June 5, 2021

ቃል ኣሰናዳኢ

ዓመተ 2021፡ መበል 30 ዓመት ዕለተ ናጽነትን መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን እነዝክረላ፡ ዓመተ ድርብ ታሪኻዊ በዓላት እያ። ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን ማለት ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ናብ ምምሕዳር ብሪጣንያ ካብ ዝተሰጋገረትሉ እዋን 40ታት ጀሚሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኣስታት 80 ዓመታት፡ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ብሽርሒን ብሓይሊን ክደቊስ ዝሃቀነ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያላን ንምስዓር፡ ብመሪር ቃልሲን መስዋእቲን ዝሓለፈሉ መዋእል እዩ ነይሩ። መንእሰይ ሰለስተ ወለዶታት ኤርትራ፡ ሃገር ዝገጠማ ከቢድ መድረኻዊ ፈተነ ሰጊሩ፡ ናጻ ሃገር ንምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ተሪር ባይታ ዝረግጸሉ ኩነት ንምውሓስ፡ ረዚን ዋጋ እዩ ከፊሉ። ብዓረርን ሓዊን፡ ብዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሽርሒታትን ውዲታትን ተፈቲኑ፡ ክምህ ከይበለ ንኹሉ ጊንጢታት ስዒሩ ብምውጽኡ ከኣ፡ ኣዝዩ ዘሐብን ሃገራዊ ታሪኽን መንፈስ ሃገራውነትን ክነድቕ ክኢሉ ኣሎ። ሎሚ ኤርትራ፡ ንእሽቶ ሃገር ወይ ህዝባ ውሑድ ኢልካ ዘይትንዓቕ፡ ሓያልን ብቕዕቲን ሃገር ምዃና ዓለም ኣብ ዝኣመነትሉ መድረኽ በጺሕና ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ከም ውጽኢት ነዊሕ ቃልሱ ብመንጽር ካልኦት ዝመስልዎ ህዝብታት፡ ንኹሉ ድሕረታት ሰጊሩ፡ እቲ ዝሓየለ ሓድነትን ጥምረትን ዝውንን፡ ውሽጣዊ ሰላሙን ቅሳነቱን ብብቕዓት ከውሕስ ዝኽእል፡ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራ ክንዮ ውሽጣዊ ሰላማ፡ ብዞባ ደረጃ እውን፡ ጸጥታን ርግኣትን ንምውሓስ፡ ጥጡሕ ናይ ምትሕብባር ባይታ ንምፍጣር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ እጃማ ወሳኒ ምዃኑ ኣብ ዝእምነሉ

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን