January 16, 2021

ቅልውላው ሶማልያ

ሓሙሻይ ክፋል
መርገጺታት ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡
ኣመሪካ፡ ኤርትራን ቱርክን

መእተዊ
1-ባህጊ ኢትዮጵያ ንሶማልያ ካብ እዋን’ቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ንዘመናዊት ኢትዮጵያ ዝመስረተ ሃጸይ ምኒልክ ዝጀመረ ኾይኑ፡ ክሳዕ 20ን 21ን ክፍለ ዘመን ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለ ስላሰ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ መለስ ዜናውን ሃይለ ማርያም ደሳለኝን እውን ቀጺሉ’ዩ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቅሉዕ ውግእ ተኻይዱ። ኢትዮጵያ ብ2006 ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ወራር ከተካይድ እንከላ፡ ብ2016 ድማ ተቐሲባ ወጸት። ብ2018 ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ መሰረታዊ ለውጢ ኣርእዩ።

2- ፖሊሲ ኬንያ ኣብ ሶማልያ ካብ ሱሳታት ናይ ዝሓለፈ ኽፍለ ዘመን’ዩ ጀሚሩ። ኬንያ፡ ሶማልያ ነቲ “ሶማል ኬንያ” እትብሎ ዞባ ሰሜናዊ ዶብ ክትሓትት’ያ ብምባል ክትሰግእ ጸኒሓ። ፖሊሲ ኬንያ፡ ባርዕ “ምንቅስቓስ ሸባብ ኣልሙጃሂዲን” ኣብ ውሽጢ መሬት ኬንያ ንኸይልሕም፡ ጸገማት ማያዊ ዶብ ክልቲአን ሃገራትን ምሕንጻጽ፡ ኣብ’ቲ ምስ ኬንያ ዚዳወብ ዞባ ጁባላንድ ዚህሉ ፓለቲካዊ ዂነታት ጽልዋ ንኺህልዋ ዚብገስ’ዩ።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ