March 21, 2021

ንምሕራር ምሉእ ኤርትራ ዝቀላጠፈ
ስርሒት ምድምሳስ ናደው እዝን
ምሕራር ምጽዋዕን!

ሙሓመድ ኑር ያሕያ
ኣብ መጨረሻ ዓመተ 1977 ሕብረት ሶቨት ቅድሚኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትራእዩ ዘይፈልጥ ማእለያ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ክትልግስ ጀሚራ።እቲ ሓገዝ 18000 ናይ ክዩባ ፡2000 ዝኣኽሉ ወተሃደራት ካብ ህዝባዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ የመን፡ 1500 ዝኾኑ ሶቭየታውያን ኣማኸርቲ ኲናት፡ከም ኡ’ውን ከበድቲ ዘመናዊ ኣጽዋርን መራኽብ ዂናትን ነፈርትን ዘጠቓለለ ነይሩ።ስርዓት ድረጊ ብዝተገብረሉ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምስ ሶማል ኣብ ዝገብሮ ውግእ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ሶቨት ሕብረት ተወሳኺ ወተሃደራዊ ዕጥቅን ኣማኸርትን ስለዝሃበቶ ሰውራ ኤርትራን ንሓዋሩ ንምድሳስን ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን ብዝመናውን እንተላይ ብውጉዝ ኣጽዋር ዝተሰነየ ጽዑቅን ሰፊሕን መጥቃዕቲ ከፈተ። ሰውራ ኤርትራ ነቲ ብስንኪ ምትእታው ርእሰ ሓያል ሃገር ሕብረት ሶቨት ኣብ ባይታ ዝመጸ ምቅይያር ሚዛን ሓይሊ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ምዃኑ ብድቂቅ ብምግምጋም ቀጻልነት ቃልሲ ክሳብ ዓወት ንምውሓስ ብ1978 ስትራተጂካዊ ምዝላቅ ከካይድ ተገደደ። እዚ ኣዝዩ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ