May 22, 2021

ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ 30 ዓመት

ዘላቒን ምሉእ ሸፈነን ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ሓደ ካብ መሰረታውያን ረቛሒታት ቀጻልነት ህይወት ወዲ ሰብ እዩ። እዚ ክርከብ ዝከል ድማ ናጽነት ምስ ዝህልወካ ጥራሕ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ርሑቕ ገጠራት ዝዓለመ ኣገልግሎት ጥዕና ሳላ ናጽነት ተረኺቡ ከም ዘሎ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከይተሓለለ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናጽነት፡ ኣብ ጽላት ጥዕና ገዘፍቲ ዓወታት ክምዝገቡ ክኢሎም ኣለዉ። ፖሊሲን መርሓ ጐደናን ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ጽላት ጥዕና ዝተፈላለዩ ዕማማት ምስ ብዙሕ ብድሆታት ተሰላሲሎም እዮም። ሚኒስትሪ ጥዕና ንጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ምውሓስ ዝሕግዙ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ሓንጺጹ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ኣብ 1998 ኤርትራ ብተዛማዲ ሓዳስ ሃገር ክነሳ፡ ኣብ ኩሉ መደባት መሰረታዊ ክንክን ጥዕናን ንጹር ፖሊሲ ዝነበራ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምንባራ፡ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ካልኦት ኣህጉራውያን መሻርኽትን ኣድናቘት ኣትሪፋ እያ።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን