June 19, 2021

ኣግእዞ
ግንቦተ-ሰነ፡ ወርሓት ዘሐብን ዝኽሪ!

ዕለተ ናጽነትን ዕለተ ሰማእታትን፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ተኸታቲለን ብኽብሪዝዝከራ ረዘንቲ ዕለታት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እየን። ግንቦት፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ገድሊ፡ መቚሕ መግዛእቲ ፈንጢስና ሓርነት ዝተጓናጸፍናላ ወርሒ ክትከውን እንከላ፡ ሰነ፡ ድማ ነቶም ምእንቲ ሓርነትን ሃገራዊ ክብረትን ዘይትትካእ ህይወቶም ብምብጃው፡ ናጽነት ክውን ዝገብሩ፡ ውፉያት ጀጋኑና እንዝክረላ ወርሒ’ያ። ዓመተ 2021፡ መበል 30 ጽንብል ናጽነት፡ ምስ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝተጋጠመላ ብምዃና ፍሉይነት ኣለዋ። ቃልሲን ሓርነትን፡ ከም ዘርኢን ፍርያትን ክሕሰብ ዝኽእል እዩ። ስለዚ ዝኽሪ ዘራኦን ዓጻዶን ኣብ ልክዕ፡ ብዝሒ ዓመታት ዘራኸበት ዓመት እያ።ዝኽሪ ግንቦተ-ሰነ፡ ነቶም ሽግ ሓርነት ዝዀልዑ ውፉያት ዜጋታትና፡ ሓርነታዊ ባህታ ብሓበን እንዝክረሉ ኣጋጣሚ ጥራይ ኣይኮነን። ባህሊን ክብርታትን ጀጋኑ ሰማእታትና ንምዕቃብን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ከምዝኸይድ ንምግባርን፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ነቲ ዘይትትካእ ህይወቶም በጅዮም ዘንጸፍዎ ሰረት ንምስፋሕን መትከላቶም ንምሕላውን ቃልና ኣድሚቕና እነሐድሰሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ። ከም ኩሎም መስፍነ ርእሰማላዊ ሕብረተሰባት፡ ብኣባታዊ ስርዓት ዝቘመ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ክሳብ ቀረባ ግዜ ዝጸንሐ ኣነባብራኡ፡ ብዙሕ ንደቀንስትዮ ዝህምሽን ዝጓንይን ባህሊን ልምዲን ነይሩዎ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ ከኣ፡ እቶም ቀዳሞት ተቓለስቲ ሓርነት፡ ኣውራ ድማ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ መሰል ናይተን ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ ዘይክብረሉ “ናጽነት”፡ ጎደሎ ጥራይ ዘይኮነ ፍትሒን ምዕባለን ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ ብዝብል ሓሳብ፡ ቃልሲ ንመሰልን

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን