May 11, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ራብዓይ ምዕራፍ
ኤርትራዊ ሕድሕዳዊ ዓመጽ
2

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ኣብ ሓንቲ ናይ 1963 ክራማት መዓልቲ፣ እድሪስ ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ድሕሪ ምጥሓል-፣“እንታይ ኮንኻ ኣሎኻ እድሪስ?”ዝብል ድምጺ ዓርኩ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ክሰምዕን ብር ኢሉ ካብ ሓሳብ ክበራበርን ሓደ ኮነ። ተቐላጥፉ፣-“ሰንቢደ፣ ኣብ ዘይልሙድን ዘይፈልጦን ሓሳብ ጥሒለ ጸኒሐ።” ክብል መለሰ።
ማሕጁብ ኣልጃዓሊ እንታይ ከም ዝሰምዐ ከም ዘይኣስተብሃልን ክመስል፣-“ዝኾነ ኣብ ሓሳብ ዝመጸካ ወይ ዘጋጢመካ ክትፈርሖ ዝግባእ ኣይኮነን።” እናተገረመ መለሰ።
እድሪስ፣ ንዓርኩ ማሕጁብ ኣቐይምዎ ከይከውን ብምስካፍ ተቐላጥፉ፣ “ኣይትሓዘለይ፣ ምስ ተዳሃኻኒ ሰንቢደ ብምብባር፣ ረብሸካ ክኸውን ስለ ዝኽእል ዳግማይ ይቕረታ እሓትት።” ኢሉ ስክፍትኡ ክገልጽ ፈተነ።
ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ እድሪስ ዘጋጠሞ ናይ ምርባሽ ኩነታት ምስ ተቐንጠጠሉ፣ ተቐላጢፉ፣-“ደሓን እድሪስ ሓወይ፣ ኣብ እንታይ ዓይነት ሓሳብ ጥሕልካ ጸኒሕካ?” ክብል ሓተተ።
እድሪስ ተቐቢሉ፣-“ብዛዕባ መጻኢ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ክሓስብ ጸኒሐ።” መልሲ ሃበ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ