April 20, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሳልሳይ ምዕራፍ
ቀዳሞት ኣድራጋ ጠያይቲ
(6)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ኤርትራውያን፣ ዝኾነ ሰብ ይኹን ካልእ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፣ ንሞት ከም ዝቓላዕ ስለ ዝኣምኑ፣ ንደቆምን ስድራ-ቤቶምን፣ ኣብ ዕዳን ዕንድዳን ከይሸመሙ፣ ዝግባእ ሓድጊ ሞት ዘስዓቦ ዋጋ ኸፊሎም ህይወቶም ዝመርሑ ሰባት እዮም። ንዝሞቱዎም ዓበይቲ መራሕቶም፣ ኣቅሽሽቶምን መሻይኻቶምን እናኣኽበሩ፣ ሞት ንዘጋጠሞም ሰባት፣ ኣውራ ንዕድመ ዘይደፍኡ ብግቡእ ይሓዝንሎምን ይበኽዩሎምን።ኣብ ቆላታት ኤርትራ ዝሰፍሩ ኤርትራውያን እንተ ረኣና፣ ኣብ ኣገባብን ስነ-ስርዓትን ሓዘን፣ ደቀ-ኣንስትዮ፣ ከም መግለጺ ሓዘነን ብምረት ይበኽያን ይልህልሃን፣ ሓመድ ኣብ ርእሰንን ክዳውንተንን ብዘይ ዕረፍቲ ይንስንሳ፣ ጾጉረን ይላጽያ፣ ሴፍ (ጉራደ) ኣልዒለን ይድብላ፣ መዋቲ መቕርበን ወዲ ተባዕታይ ምስ ዝኸውን ክዳውንቱ ይለብሳ። ደቂ-ተባዕትዮ ነነሕድሕዶም በቲ ዘጋጠመ ይጸናንዑን፣ ገለ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ዝርከቡ ከም “ኣየት ያሲንን ኩርስን” (1) ዝኣመሰሉ ምዕራፋት፣ ካብ መዓልቲ ሓዘን ክሳዕ ሳልስቲ ብሓባር ኮይኖም የንብቡ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን