March 2, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ምፍንጃርን ኣገዳስነትን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ

(8)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ሰራዊት ሱዳን ብመሰረት መቦቖላዊ ኣቛውማኡ፣ ከም ሓደ ሓያል ስነ-ስርዓት ዘለዎ ሓይሊ ብምውሳድ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሱዳን ዘይነዓቕ ተራ ተጻወተ። ብስንኪ ፖሊሲ “ፈላልኻ ግዛእ” መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ዝነበረ ክቱር ቅርሕንትን ጽልእን፣ ኣብ መንጎ ፖለቲካኛታት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ኣብ ታሪኽ ሱዳን እኳ እንተ ኣጋጠሙ፣ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ውሽጡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ክፍለ-ሰራዊት ዝተላዕለ ደማዊ ናዕቢ ገቲኡን ነቲ ናይ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣውድቑን፣ ብ 17 ሕዳር 1959 ብመርሕነት ጀነራል እብራሂም ዓቡድ ፖለቲካዊ ስልጣን ጨበጠ።እድሪስን ብጾቱን፣ ብስንኪ እቲ ንፖለቲካዊ ህይወት ሱዳን ዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ስልጣን ዝፈጠሮ ጽንኩር ፖለቲካዊ ኩነታት እኳ እንተተሳቐዩ፣ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ብዝገበረሎም ሕውነታዊ ርህራሄ እናተተባበዑ የመስግኑ ነበሩ። ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ብምግዳስ“ህጹጽ ኩነታት ስለ ዝተኣወጀ፣ ሓፈሻዊ ሃዋሁ ሱዳን ተዘናብሉ ብምህላዉ፣ ዜጋታት ዝኸፍአ ከይመጽእ ብዝብል ስግኣት ኣብ ሻቅሎት’ዮም ዘለዉ።”ምስ በለ፣ እድሪስ ኩነታት ኣብ ዝኸፍአ ገጹ ከይዓርግ እናሰግአ“እንታይ ኣሎ? ክሳብ ሕጂ ኩነታት ኣይተረጋገአን ድዮ ዘሎ?”ዝብል ሕቶ ኣቕረበ።
“ዋላ ሓንቲ። እንተኾነ ሰራዊት፣ ህሉው ኩነታት ንረብሕኡ ስለ ዘየለ፣ እቶም ዕልዋ ዝፈጸሙ ዝኸፍአ ኩነታት ከየጋጠሞም ኣይተርፍን’ዩ ዝብሉ ባእታታት ሰለ ዘለዉ፣ እቲ ወጥሪ ኣብ ቦትኡ’ዩ ዘሎ።” ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ መለሰ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን