July 13, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ
(5)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ላዕላዋይ ባይቶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (1)፣ ከም ላዕላዋይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ በዓል ስልጣን፣ ኤርትራ ብ1965 ናብ ኣርባዕተ ስዒቡ ናብ ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ክፍልታት ክትመቃቐል ኣለዋ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ፣ ነዚ ንምትግባር ኣብ መላእ ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ብምዝርጋሕ ፖለቲካዊ ህላወኡ ከረጋግጽ ፈተነ። ብወገን’ዚ መሪሕነት ዝተረሰዐ እንተ ነበረ፣ እቲ ዝተፈጸመ ምምቕቓል፣ ንረብሓ ኤርትራ ዘይኮነ፣ ንረብሕኡን ምርዋይ ትዕቢቱን ከም ዝኾነ፣ በብቑሩብ ንኹሉ ብሩህ ኮነ። መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ናብ መላእ ኤርትራ እኳ እንተ ዘርገሐ፣ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ክቆጻጸርን ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዓወት ከመዝግብ ከም ዘይኽእል ናይ ብዙሓት እምነት ነበረ። ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ ንኩነታት ምዕባለ ኤርትራ፣ ኣውራ ድሕሪ ደማዊ ግጭት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን ኣብ ከባቢ ዒላ ጻዕዳ፣ ዝተወስደ ውሳነ ምምስራት ወተሃደራዊ ክፍልታት ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ይከታተል ብምንባሩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፣-“ውሳኔ ምምስራት ወተሃደራዊ ክፍልታት፣ ፈጺሙ ዘይተጸንዐ፣ ዘይበሰለን ምኽኑይ ዘይኮነን ውሳኔ’ዩ ነይሩ። ቀንዲ ዕላምኡ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ከርሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ምፍሕፋሕ ንምህዳእን ንምዕባስን ከም ዝነበረ ዘዛርብ ጉዳይ ኣይነበረን።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን