November 17, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ

ቀዳማይ ምዕራፍ፣

ምብ’ ርባር

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

 

(1)

እድሪስ መሓመድ ሳልሕ ኣብ መወዳእታ ሓምለ 1956 ካብ ዓዲ ሸኽ ሓሊብ ከም ዝተሰወረ፡ ማጆር ኣቡ ፋጥማ ብገለ ዘዋፈሮም ዑሱባት ምስ ተሓበረ ሞራሉ ተተንኪፉ፡ ብቕጽበት ንሓደ ካብ ኤርትራዊት ዝውለድ፡ ጉብጣን ተስፋስላሴ ዝተባህለ ትግራዋይ ዕሱብ ተሓጋጋዝኡ ጸዊጡ፡-

“እድሪስ ኣበይ ኣሎ? ለይትን መዓልትን ክትከታተልዎ ተሓቢሩኩም ዶ ኣይነበረን ?”

ክብል፣ ሕርቃን ብዝተሓወሶ ሓተተ።

ጉብጣን ከም ኣመሉ፡ ምስ ማጆር ኣቡ ፋጥማ ገጽ ንገጽ ክራኸብ ከሎ፡ ንነብሱ ክቆጻጸር ስለ ዘይኽእል፡ በተን ድቦላ ኮይነን ዝተሰመዖኦ ሕቶታት ተሰናቢዱ፡ ኣጻብዕቲ ኣእዳዉ እናኣንፈጥፈጣ፡-

“ቅድሚ ሰሙን፡ ኣብ ዕዳጋ ዓሳ ኹትምያ (1) ኣጋጥሙኒ’ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎ ዝፈልጦ የብለይን። እንተኾነ ምናልባት ኣብ ዓዱ ወይ ኣብ ጎረባብቲ ዓድታት ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጣረ ኣሎኒ።”

ብዝተዓጽፈት መልሓስ መለሰ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን