December 7, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ
ቀዳማይ ምዕራፍ፣
ምብ’ ርባር

(4)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
እድሪስ: ቆልዑ ምምሃር ዝብል ክቱር እምነት ስለ ዝነበሮ: ንመንሱር ቦኽሪ ወዱ: ከም’ቶም ካልኦት ደቂ ዓዱ ዝገብሩዎ: ናይ ቁርኣን ትምህርቲ ንኽወሰድ ኣብ ከባቢ ዓዱ ኣብ እትርከብ ሃይማኖታዊት ቤት ትምህርቲ ከም ዝኣቱ ገበረ። መንሱር ገለ ካብ ጥቕስታት ቅዱስ ቁርኣን ከነብብ ምስ ጀመረ: ብደገፍ ወላዲኡ እድሪስ: ኣብ ከተማ ባጽዕ እትርከብ: ብቋንቋ ጥልያን እተምህር ቤት ትምህርቲ ባድሬ ኣተወ። እንተኾነ እድሪስ: ናይ መራሕ መንግስቲ ኣስፈሃ ወልደሚካኤልን ተድላ ባይሩን ፖለቲካዊ ዕግርግርን ግፍዕታትን እናኸረረ ምስ ከደ: ዓዱ ገድፉ ንሱዳን ኽስደድን ኣብ ከተማ ከሰላ ክሰፍርን ተቐሰበ።እድሪስ: ኣብ ሽንጭሮታትን ጎቦታትን ኣታካ (1) ዝርከብ ከባቢ ካብ ዝሰፍር ኣትሒዙ: ዘሻቅሎ ነገር ኣይነበረን። ደቁ መንሱርን ዘይነብን ዕድል ትምህርቲ ከይሓልፎም ዝብል ጥርጣረን ስክፍታን ኣይነበሮን ክበሃል ግን ኣይከኣልን። ሓደ መዓልቲ: እቲ ዝፈትዎ ዋና ቤት-ሻሂ: እድሪስ ኣብ ሓሳብ ጥሒሉ ከም ዘሎ ምስ ተዓዘበ፣ ተቐላጢፉ:-“ደሓን ዲኻ ኣብ ዓሚቚ ሓሳብ…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን