October 31, 2015

ዓማጽን ዘይፍትሓውን ውሳነ ቁጽሪ 1907 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ

ዓማጽን ዘይፍትሓውን ውሳነ ቁጽሪ 1907 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ

እቲ ብመሰረት ሻቡዓይ ምዕራፍ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ድሮ በዓል ልደት ብ23 ታሕሳስ 2009 ዝሓለፈ ዓማጽን ዘይፍትሓውን ውሳነ ቁጽሪ 1907 ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን እገዳ ኣሕሊፉ እዩ። እዚ ብምምሕዳር ኣሜሪካ ዝተሃንደሰ ውሳነ’ዚ ቀንዲ ዕላማኡ ንኤርትራ ንምድኻም፡ መስርሕ ልምዓታዊ ጉዑዞኣ ንምዕንቃፍ፡ ብመሰረት’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝሓለፈ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋሕሰ መሬታ ንኸይትመልስ፡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኤርትራ ብምጽንቃቕ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ንምፍጣርን ከምኡ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘለዎ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምትግባርን እዩ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ሚካፈሊያዊ ፖሊስኡ ንምዕዋት፡ ነቲ ጸኒሑ ብመገዲ ተቆጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን ዘጽደቆ ኣንጻር ኤርትራ መሰረት ዘይብሉ ውጹእ ናይ ሓሶት ክሲታት ክነዝሕ ተራእዩ። ኣብ መጨረስታ ከኣ ብሓሶት ዝተነድቀ ጻብጻብ ተዳልዩ ናብ ባይቶ ጸጥታ ቀሪቡ።

እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ባይቶ ጸጥታ ካብ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ሕጋውን ስነ-ምግባራውን ሓላፍነቱ ብምህዳም ዝኾነ ይኹን መርትዖታትን ጭብጢታትን ከይሓተተ ነቲ ጸብጻብ ከምዘለዎ ምጽዳቁ እዩ። ሕመረት ናይ’ቲ ምስ ባይቶ ጸጥታ ዘሎ ጸገም ከኣ እዚ ሓቂ’ዚ እዩ።

በዚ ዝተጠቅሰ ሓቂታት እምበኣር፡ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ቁጽሪ 1907 ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስቲ ኤርትራ ንምንቅስቃስ ሸበባ ሶማል ትሕግዝ’ያ ዝብል ምጉትን ምስ’ቲ ካብ ዘየለ ብጂቡቲ ዝተማህዘ ናይ ዶብ ሽግርን ፍጹም ምትእስሳር የብሉን። ስለዚ ከኣ ካብ’ቲ ንኣገባብካ ዕላማኻ’ዩ ዝውስኖ ዝብል ሚካፈላዊ ፍልስፍና ዝተበገሰ ብምዃኑ ኣብ ኣህጉራዊ ሕግታት ዘይተመርኮሰ ስነ- ምግባራዊ ባህሪ ዘይብሉ ውሳነ’ዩ።

በዚ መሰረት ባይቶ ጸጥታ ብዘይምዕጥይጣይን ምኽንያታትን ንውሳነኡ ዳግመ ርእይቶ ክገብረሉ ኣለዎ። ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝፈጸሞ በደል ክእርሞን ብዘይ ቅድመ ኩነት ንውሳነ ቁጽሪ 1907 ክስርዞን ንኤርትራ ክብራ ክመልሰላን ይግባእ። ከምኡ እንተ ገይሩ ጥራሕ ከኣ’ዩ ብመሰረት ትሕዝቶን መንፈስን ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍትሓዊ ኣህጉራዊ ሕጊ ከስፍን ዝኽእል።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን