March 17, 2018

ዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደው
ምቕሉል ጅግንነት ንምሕያልን ሓርበኝነት ንመጻኢ ወለዶ

ንምውራስን ግን፡ እቲ ታሪኽ ኪንገር ግቡእ`ዩ።”
ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቕያታት ዝመልኦ ሕልፍ ዝበለ ተመክሮ ምዃኑ ንግንዘቦን ንደጋግሞን ኢና። ይኹን`ምበር፡ ዛጊት መሊእናስ ይትረፍ ብኣፈና`ውን ስለዘይተረኸናዮ እናሓደር ዝኸብድ ዓቢ ሸኽም ኰይኑና ምህላው ማዕረኡ ንግንዘቦን ንደጋግሞን ኢና። እቲ ጸገም እናተፈልጠ ይቕጽል ምህላው ኸኣ ብርግጽ ሓደ ስግንጢር ኩነት`ዩ። እዚ ቅያዊ ታሪኽ ጅግንነትን ሓርበኝነትን`ዚ፡ ነጋርን ጸሃፍን ሳኢኑ ዳርጋ ዓባስ ኰይኑ ምህላው እምበር ፍጹም ክምኽነን ክጽወርን ኣይክእልን። እዚ ስግንጢር`ዚ ከይተፈትሐ ክቕጽል ምግዳፉ፡ ስግር ሃላፍነት ምዝንጋዕ፡ ንታሪኽና፡ ንታሪኽ ሰማእታትና፡ ነቲ ኩሉ ዘይተነግረ ቅያታቱን ጅግንነቱን፡ ተወፋይነቱን እምነቱን፡ ዝደረኾን ዝጸሮን ንጹህ ሕልናን ኣተሓሳስባን ምብዳል`ዩ። ታሪኽና ምብዳል ከኣ ንነብስናን መጻኢ ወለዶታትናን ምብዳል ስለዝኰነ መዘዙ ብዙሕን ነባርን`ዩ። ስለዚ፡ ንታሪኽና፡ ምስቲ ኩሉ ሓይሉን ህያውነቱን፡ ዕብየቱን ድምቀቱን፡ ስፍሓቱን ዕምቈቱን፡ ክንትርኾ፡ ክንገልጾ፡ ክንርዳኦ፡ ከነመሓላልፎ ግድን ክንፍጽሞ ዘለና ህጹጽ ሃገራዊ ሓላፍነት`ዩ። ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ደቁን ታሪኽ ክሰርሑ ዘይኣገሞም ዘይጸገሞም፡ ታሪኽ ክጽሕፉ…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን