November 26, 2016

ገምጋም መጽሓፍ
ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962

ገምጋም መጽሓፍ ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962ቢኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ

ምስ ተመራማሪ ታሪኽን ደራሲን ብጻይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ድሕሪ ነዊሕ ኣብ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ፡ ብዛዕባ መጽሓፉ ሓቲተዩ ። ከም ዝተወደእትን ኣድላይ ስእልታት ምስ መረጸላ ንሕትመት ክትቀርብ ምዃና ሓቢሩኒ ። ኣስዒቡ፡ “ነዛ መጽሓፍ ክህይሱ ካብ ዝሓሰብክዎም ሰባት ሓደ ንስኻ ኢኻ ፡ ፍቓደኛ እንተኾንካ ነታ መጽሓፍ ኣብ ፍላሽ ክህበካ” ኢሉኒ ። ንትጽቢቱ እበቅዕዶኾን ብምባል ስክፍታ’ኳ እንተነበረኒ ፡ ብኽብሪ ግን ተቐቢለዮ ። እነሆ ሎሚ እታ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣብ ስነ-ስርዓት መመርቕታ ብጺሓ’ላ። ንደራሲን በዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ኣብረሀት ሃይለን ወዱ ማትያስ ኣለምሰገድን ከምኡ’ውን ንኾሎም እቶም እዛ መጽሓፍ በርሃን ክትርኢ ዝተሓጋገዙ ፡ ብፍላይ ድማ ንማእከል ምርምርን ስነዳን ፡ ኣሕተምቲ ሕድርን ዮሃና እብል። ብወገነይ ደማ ፡ ብዛዕባኣ ዘለኒ ርእይቶን ትዕዝብትን ሒዘ ቀሪበ’ለኹ። ከምቲ ድራሲ ዝሓሰቦን ዝጽበዮን ከኽወን ድማ ተስፋ እገብር።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን