November 18, 2016

ገድሊ ደቀንስትዮ

ገድሊ ደቀንስትዮ

ኣሰናዳእቲ ሰሎሞን በርሀ
ኤፍረም ሃብተጽዮን
ዮሴፍ ሃይለማርያም

መእተዊ

“ዝተፈላለዩ ብሉያትን ሓደስቲን ማሕበራዊ ስርዓታት፡ ዓብላልነትን ምግባትን ፍሉያት ቀጸላታት ሕብረተሰብ ንምንጋስ፡ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣዋሲኖምን በዲሎምን እዮም። ካብኡ ናብኡ፡ በደል በቲ ዝኸፍኦ መልክዑ፡ ንቦታን ተራን ደቀንስትዮ እዩ ገፊዑ። ቃልሲ ንሓርነት ከኣ፡ ሃገራዊ ይኹን ማሕበራዊ፡ ወትሩ በደል ናይ ምእላይ ዳይናሚካዊ ምንቅስቓስ እዩ. . .”

(ሕዳር 2009)

“ሓደ ካብ ፍሉይነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ዘሳተፈ ብምንባሩ እዩ። እዚ ተሳትፎ`ዚ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ሰጊሩ ዝመጸን ብሓያል ፓለቲካዊ ስራሕ ህዝባዊ ግንባር ዝተፈጥረን`ዩ። . . . ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ንመልክዕ ዘይኮነ፡ ብትሕዝቶ ነቲ ቃልሲ ምሉእ ዝገበረ ተሳትፎ እዩ።”

(ሕዳር 2004)

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ኣብ መበል 25ን 30ን ዓመት ምምስራት ሃማደኤ

መቕድም
ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ንዘመናት ኣብ ውሻጠ ዝዳጐነን መስፍናውን ኣባታውን ዕብለላን ባህላዊ ሓጹርን ሰጊረን፡ ፓለቲካዊ ንቕሓትን ውዳበን ኣማዕቢለን] ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብረት ዓጢቐን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኰነ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ናይቲ ሰውራ ብዘርኣያኦ ግብራዊ ሱታፌን ዝኽፈላኦ ክቡር መስዋእቲን፡ ፍኖተ ምሉእ ኣግእዞ ብምጽራግ ሓድሽ ምዕራፍ ክኽፈታ በቒዐን እየን።
ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ውሑድ ዝተዘርበሉ ሰፊሕን ፍሉይን ተመዂሮ ኣብ ቃልሲ ደቀንስትዮ ዓለም እዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ጓለንስተይቲ ብረት ኣልዒላ ክትዋጋእ ሕልሚ ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ ሰውራ ተሰሊፉ፡ ዘርኣየቶ ጅግንነትን ዝፈጸመቶ ቅያታትን ብቓላት ክግለጽ ኰነ ቅጺታት መጻሕፍቲ ተጻሒፉሉ ብምልኣት ክትረኽ ዝኽእል ኣይኮነን። ቅያታት ኤርትራዊ ጓለንስተይቲ ግን ኣብ ዓውደ-ኲናት ጥራይ ኣይነበረን። ሳላ’ቲ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ “ብዘይ ተሳትፎ ናይተን ፍርቂ ኣካል ሕብረተስብ ዝዀና ደቀንስትዮ ሰውራ ኣይዕወትን” ብዝብል እምነት ዝፈጠሮ ባይታን ዕድልን፡ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ነቲ ብልምዲ ንደቂተባዕትዮ ጥራይ ዝተሓዝኦ ሞያታት’ውን መሊኻ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ስራሕ ብምስታፍ፡ ማዕርነታን ብቕዓታን ብግብሪ ኣረጋጊጸን እያ።
ብሓፈሻኡ፡ ገድሊ ደቀንስትዮ ኤርትራ ዝተፈላለየ መድረኽ ዝሓለፈን ብቕያታት ዝተመልአን ተመኲሮ እዩ። እንተዀነ፡ ነቲ ደቀንስትዮ ኤርትራ ዝፈጸማኦ መስተንክር ቅያታትን ዝኸፈላኦ ዋጋን ብዝበቅዕ ኣገባብ ገና ኣይተገልጸን። መጽሓፍ “ገድሊ ደንቀንስትዮ” ገለ ካብ ቅያታት ደቀንስትዮ ዝገልጽ ዛንታታት ብሰብኣዊ ኣቀራርባ ሒዛ ቐሪባ ኣላ። ኣብዛ መጽሓፍ`ዚኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ግዜን ቦታን ዝተፈጸሙ ሒደት ዛንታታት ቀሪቦም ኣለው። እዞም ዛንታታት`ዚኣቶም፡ ኣብቲ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣእቲኻ ክርኣዮ እንከለው፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኖም ርዱእ እዩ። እንተዀነ እዚ ተበግሶ’ዚ፡ ንዝሰፍሐ ስራሕ ባብ ዘርሑን እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ዝእንፍትን ክኸውን ተስፋ ንገብር። ነዚ መጽሓፍ`ዚ ኣብ እነንብበሉ፡ ገድሊ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝውርቕን ንወለዶታት ዘሰጋግርን ሰፊሕ ስራሕ ገና ይጽበየና ዘሎን ብዙሓት ስብ ውዕሎ ብህይወት እንከለው ክንቀላጠፈሉ ከም ዘድልን ኢና እንርዳእ። ከምዚ ዝመሰለ ስራሕ እምበኣር፡ ዝኽሪ ንምሕዳስ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንተወሳኺን ዝዓመቘን ስራሕ ከበጋግስ ዝኽእል እዩ።

እዚ፡ ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፡ “ገድሊ ደቀንስትዮ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ መጽሓፍ (6ይ ቅጺ፡ ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ)፡ ንዝኽሪ ናይተን መሰልን ክብረትን ጓለንስተይቲ ንምርግጋጽ ክቡር ዋጋ ዝኸፈላ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ቅያታተን ብውሑድ ኣብነት ንምንጽብራቕ ዝዓለመ እዩ። ኣብ መእተዊ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ኣንጻር ደርባዊ፡ መግዛእታዊን ጾታዊን ጭኮና ከመይ ኢሉ ተበጊሱ፣ በየኖት መድረኻት ሓሊፉ፡ ብኸመይ ኣብቲ ድሓር ዝበጽሖ ደረጃ ምዕባለ ክበጽሕ ክኢሉ. . . ዝገልጽ ሓበሬታ ብሕጽር ዝበለ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ሓፈሻዊ ታሪኻዊ መእተዊ`ዚ፡ ኣብ ማእከል ምርምርን ሰነዳን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ዝርከቡ ሰነዳት ብምውካስ ዝተጻሕፈ እዩ።

ቀንዲ ትሕዝቶ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ፡ እቶም ብጸሓፍቲን ተረኽቲን ቀሪቦም ዘለው 38 ኣብ ሓቀኛ ፍጻመታት ምርኲስ ዝገበሩ ሓጸርቲ ዛንታታት እዮም። ኣብ ዝኽሪ ኣዘንተውቲ፡ ናይ ዓኒ መስኻኽርን ሰብ ውዕሎን ምርኲስ ብምግባር ዝተጻሕፉ ድማ እዮም።

እዚ ብተበግሶ “ኣሕተምቲ ሕድሪ”ን ብምትሕብባር ባህላዊ ጉዳያትን ዝተሰናደኣ መጽሓፍ`ዚ፡ ናይ ብዙሓት ካልኦት ኣካላትን ውልቀሰባትን ኣበርክቶ እውን ዝተሓወሶ እዩ። ክፍሊ ስነዳን ምርምርን ህግደፍ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ)፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ መወከሲ ጽሑፋት ኰነ ስእልታት ብምቕራብ ትሕዝቶን ጽባቐን ናይዚ መጽሓፍ ኣብ ምምዕራግ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሓፈሻ፡ ክፍሊ ጐስጓስን ሓበሬታን ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ማሕበራት ገድሊ፡ ዛንታታት ብምቕራብ ኰነ ንጸሓፍቲ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብምስናቕ ዝገበሩዎ ምትሕብባር፡ ነዚ ከቢድ ስርሕ’ዚ ኣብ ምዕዋት ዝነበሮ እጃም ቀሊል ኣይነበረን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሎም ኣብ ምስንዳእ ናይዚ መጽሓፍ`ዚ ዝተሳተፉ ጸሓፍቲ፡ ኣዘንተውቲ፡ ኣርታዕቲን ኣሰናዳእቲን፡ ወሃብቲ ሓበሬታን መኣረምታን ልዑል ምስጋናና ነቐርበሎም።

ኣሰናዳእቲ

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን