September 28, 2019

ጋዜጣዊ መግለጺ
መርገጺ ኤርትራ ኣብ ጸጥታ  ቐይሕ ባሕሪ

ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ዓለምና ከም ምዃኑ መጠን፡ ጉዳይ ጸጥታኡን ርግኣቱን ዓቢ ዞባዊን ዓለማዊን ኣርእስቲ እዩ። ነተን መዳውብቲ’ዚ ባሕሪ’ዚ ዝኾና ሃገራት ከኣ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ምስ ጂኦ-ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን ዝተፈላለየ ዓለማዊን ዞባዊን ምሕቋናትን፡ እቲ ጉዳይን ክብደቱን ዘይክሓድ ኮይኑ፡ ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ’ዚ፡ ናይ ሃገራት’ዚ ገማግም ኣበርክቶ፡ ወሳኒን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ። ዘድምዕ ጥሙር ጉልበት ምፍጣር ድማ፡ ምስ ንጹር ስትራተጂን ውርጹጽ ውጥንን፡ ግዜን ዕቱብነትን ጸጋታትን ይሓትት። ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ ከኣ፡ ናብዚ ሸቶ’ዚ ዝዓለሙ እዮም። ናይ ኤርትራ መርገጺን ኣመለኻኽታን ኣብዚ ሓባራዊ ሸቶ’ዚ፡ ኣብ ሚያዝያ 21-22 ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ጅዳ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ዝተጋብአ ዞባዊ ዋዕላ ተነጺሩ ነይሩ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ