November 18, 2017

ጋዜጣዊ መግለጺ
ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ
ዘይምኽኑይ እገዳታት ክለዓል ኣለዎ!

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ብዛዕባ “ምንዋሕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳታት” ክዝቲ ቀንዩ። ነዚ ዘይርትዓዊ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ንድፈ ውሳነ ረቒቑ እኳ እንተሎ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ገለ ወቕቲ ናይ’ቲ ዓመት “ዳግማይ ክርአ” ዝብል ነጥቢ እውን ኣለዎ። ከም ዝዝከር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳታት፡ “ኤርትራ ንኣልሸባብ ናይ ሶማልያ ትድግፍ’ያ” ብዝብል ክሲ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 እዩ ሓሊፉ። እዚ ክሲ’ዚ፡ ሓቅነት ኰነ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ፡ ነቶም ቀንዲ ሃንደስቲ ናይ’ቲ ውሳነን ንዝሰፍሐ ክፋል ኣባላት ሕቡራት ሃገራትን ንጹር’ዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ “ንኤርትራ ምቕጻዕ” ዝብል ፖለቲካዊ ኣጀንዳ የሳሲ ስለዝነበረ፡ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋኡ ተጠቒሙ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ጽልግልግ እዋን ድሮ ‘ልደት’ ናይ’ቲ ዓመት ከምዝሓልፍ ገይሩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሃስያ ንምውራድ ዘንቀደ እገዳታት፡ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን እንሆ ሾሞንተ ዓመታት ኣቚጺሩ’ሎ። ሎሚ፡

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...