December 29, 2018

ጋዜጣዊ መግለጺ

‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’፡ ሕጂ’ውን ካልእ ህውቱት ውንጀላ

‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION) ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ኣብ ናይ 21 ታሕሳስ 2018 – ቊጽሪ 1488 ሕታሙ፡ “ፕረዚደንትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (AMISOM) ኣብ 2021 ካብ’ታ ሃገር ጠቕሊሉ ምስ ወጸ፡ ንቦታኡ ንምትካእ ድሌት ከምዘለዎም፡ ንሶማላዊ መዘናኦም ኣሚቶምሉ። ኤርትራ ድማ፡ ቀዳሞት ኣሃዱታት ‘AMISOM’ ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ወጻ፡ ብቕጽበት 5,000 ወተሃደራት ናብ ሶማልያ ንምልኣኽ መደብ ኣለዋ።” ክብል ህውቱት “ትንታነ” ኣስፊሩ ኣሎ።

እዚ ውጹእ ሓሶት እዩ።

‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION)፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተፈብረኸን ቅንጣብ ሓቂ ዘይብሉን “ዜናዊ ትንታነታት” ብዛዕባ ፍጻመታትን ኣመታትን ዞባና ከቕርብ፡ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን። እኳ ደኣ፡ ሕላገቱ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION) ኣማዕቢልዎዘሎ፡ናይሓሶትወረንሓበሬታንናይምንዛሕባህጊንልምድን፡ንስም’ቲጋዜጣካብምብራዝሓሊፉ፡ዘገልግሎዕላማየብሉን።

ስለዝኾነ፡ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION) ንኣንበብቱ ከኽብርን ናይ ሓሶት ወረ ካብ ምንዛሕ ክሕየብን ደጊምና ንጽውዕ።

ሚኒስትሪ ዜና ኣስመራ

26 ታሕሳስ 2018

 

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን