June 12, 2015

ጋዜጣዊ መግለጺ

ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን፡
ንሰብኣዊ መሰል ዘቋሽሽ ውድዮ ፖለቲካ

ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ብ“መርማሪ ኮምሽን” ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኦም ተመስሪቱ ዘሎ ን“ጃማላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት” ዝምልከት ስምዒታዊ ክሲታት፡ ትሕዝቶኡ ብኹሉ መለክዒታት ባዶን መሰረት ዘይብሉን ኮይኑ ረኺቦሞ ኣለው። እዚ ክሲታት’ዚ፡ መቐጸልታን መዕረጊን ናይቲ፡ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምዕባለ፡ እንተላይ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት እተመዝግቦ ዘላ ገስጋስ ንምዕናው ኪካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ ዘመተ እዩ። ካብ ጠቐነ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንላዕሊ ድማ፡ ጠቐነ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብኣዊ ክብሪን ክብርታትን ዝሕብሕብ ስልጡን ህዝቢን ሕብረተሰብን እዩ።

እዚ ክስታት’ዚን ብዛዕባ ኤርትራ ገለ እወታዊ ነገር ክብሉ ንዝደልዩ ወገናት ኣፎም ንምዕባስ ዝካየዱ ካልኦት ፈተነታትን፡ ምስ ኤርትራ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጥዑይ ኣህጉራዊ ጽምዶ ንምኹላፍ ምስ ግዜ ዝጓየዩ ዘለው ሃቐነታት ምዃኖም ንጹር እዩ። ብግልጺ፡ እዞም ብዘይ ብቑዕ መወከሲታት ን“ተኽእሎ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት” ኣመልኪቶም ዝቐርቡ ዘለው ክሲታትን ሚዛን ዘይብሎም ናይ ኣጋንኖ መግለጺታትን፡ ነቶም ሓቀኛ ክውንነት ኤርትራ ዘንጸባርቑ ህዱኣት መግለጺታት ዓብሊሎም፡ ፍትሒን ርትዒን ቅድሚ ምግሃዶም ጉዳያት ንምቅልጣፍን ንምስግዳድን ዝዓለሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዙሕ ግህሰታት ዝፈጸሙን ጠንቂ ዘይምርግጋእ ዝኾኑን ወገናት፡ ነዚ ክስታት’ዚ ከም ከውሊ ተጠቒሞም ካብ ገበኖም ክሕብኡን መመኽነዪ ዝሕልንዎ እከይ ዕላማታት ክገብርዎን ይደልዩ ከምዘለው ድማ ርዱእ እዩ።

ብተደጋጋሚ ከምእተገልጸ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰላት ከምእተወልደት ሃገር መጠን፡ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታታ ንምርግጋጽን ንምጥንኻርን ኮነ ዓይነት ህይወት ዜጋታታ ንምምሕያሽ እተወፈየት ሃገር እያ። ኣብዚ ብዙሕ ገበናት ዝፍጸመሉ፡ ጎነጽ፡ ጃምላዊ በደላት፡ ጥሩፍነትን ሽበራን ዝሃወጾ ከባቢ፡ መወልቲ ናይዚ ኮምሽን፡ ነዛ እንኮ ሰላምን ርግኣትን ዝዓሰላ፡ ኣብ ልምዓት ዘድሃበት ኤርትራ ከጥቅዑ ምምራጾም ስግንጢር እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ሞያውነት ዝጎደሎ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዘቋሽሽ፡ ንተኣማንነት ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ዘዕኑ ተግባራቶም ኣትሪርካ ኪብዳህ ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራ፡ ንኹሎም ፍትሒ፡ ርትዓውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዘኽብሩ ሃገራትን ህዝቢታትን፡ እዚ ብ”መርማሪ ኮሚሽን” ዝካየድ ዘሎ ውዲታዊ ጸወታ ኬቋርጽ ኪጠልቡ ትጽውዕ።

ንዓና ኤርትራውያን፡ እዚ ሕጂ ልኡላውነትናን ግስጋሰናን ንምዕናው ዝካየድ ዘሎ ዘመተ፡ ደግሲ ታሪኽ ጥራይ እዩ። ኤርትራውያን ን“ስትራተጂያዊ ረብሓታት” ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተባሂሉ፡ ከም ግዙኣት ህዝብታት ናጽነት ከይንረክብ ተኸልኪልና ኢና። ንናጽነት ሕጋዊ ቃልሲ ኣብ እነካይደሉ ዝነበርና እዋን ድማ ዝደገፉና ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እቶም ሓያላት፡ ጉዳይና ብምንዋር፡ ብቦምባ ንምንብርካኽና እዮም ተረባሪቦም። ብቐጻሊ እኳ እንተተገፋዕና፡ ብሳላ ቆራጽ ውሳነናን ሓያል ሰብኣውነትናን ግን ዕውታት ኮይንና ወጺእና።
ሎሚ እውን እንተኾነ፡ ብኣንጻር’ዞም ጠቀንቲ ናይ ሓሶት ክሲታት፡ ብኣንጻር’ቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ መሬትና ተጎቢጡ እንከሎ ማሕበረሰብ ዓለም ዝሃበና ጸማም እዝኒ፡ ብኣንጻር’ቲ ዝግበረልና ዘሎ ቁጠባዊ ጸቕጢን ምትብባዕ ዘይሕጋዊ ፍልሰትን፡ ብጻዕርና ክብርቲን ብልጽግቲን ሃገር ክንሃንጽ ምዃንና ዘይንቕነቕ ርእሰ ምትእምማን ኣለና። ኤርትራ ካብዚ ብጹእን በሪኽን ዕላማታታ ከይተገዝዐት፡ ንምርግጋጹ ዝወሰደቶ ውሳነን ዝኣተወቶ መብጽዓን ብዓጸፋ ከተሐይሎ እያ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ
ኣስመራ
09 ሰነ 2015

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን