February 6, 2021

ፖሊሲ ቱርኪ ኣብ ሶማልያ
ቅልውላው ሶማልያ ታሪኻዊ ዕምቈቱ፡
ፖለቲካዊ ምዕባለኡን መጻኢ ኣንፈቱን

ሓሙሻይ ክፋል
ምዕራፍ ኣርባዕተ

ቱርኪ ኣብ ሶማልያ እተካይዶ ፖሊሲ ክሳብ ክንደይ ከም ዘገድሳ ንምግንዛብ፡ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ንእትኽተሎ ፖሊሲ ምርዳእ የድሊ። ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እተካይዶ ፖሊሲ፡ ካብ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎዋ ስትራተጂ ዚብገስ’ዩ።
ፖሊሲ ቱርኪ ኣብ ኣፍሪቃ ንምርድኡ፡ ቱርኪ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ዝነበራ ታሪኻዊ ጽልዋ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ።
ታሪኻዊ ጽልዋ ቱርኪ በዘን ዚስዕባ ሰለስተ መድረኻት ኪግለጽ ይከኣል።

1-ዑስማናዊት ቱርኪ፡ ንኣስላማዊ ኸሊፋ (Caliphate) ብምትካእ ካብ 16ን 17ን ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ንኽፋላት እስያ፡ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብምቊጽጻር ኢምበራጦርያ መስረተት። ብመሰረት ስምምዕ ሎዛን 1923፡ ብመሪሕነት ሙስጠፋ ከማል ኣታቱርክ ድማ ነዚ ናይ ሎሚ መልክዓ ሓዘት።

2-ቱርኪ ኣታቱርክ- ንዂለን ኣብ እስያ፡ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝነበራኣ ግዝኣታት ገደፈተን። ንኣስላማዊ ኸሊፋ ብምትራፍ ድማ ዓለማዊ ኣካይዳ መረጸት። ንምብራቕ ሕቘኣ ብምሃብ ብዂሉ ዓቕማ ናብ ምዕራብ ኣቕንዐት።

3-ቱርኪ አርዶጋን 2003 – ብመገዲ ሰልፊ ፍትሕን ልምዓትን (ኣልዓዳላ ወተንሚያ) ኣብ ኣንካራ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ረጀብ ጠይብ አርዶጋን፡ ኣብ መንጎ ኣህጉራዊ ኣስላማዊ ዑስማናዊ ተራን፡ ንዚብህግዎ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳን ዘሳኒ፡ ሃገር ንምህናጽ ዝቐንዐ ፖሊሲ ወጻኢ’ዩ ተኸቲሉ።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን