April 17, 2021

13 ሚያዝያ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ

ሰለሙን በርሀ
ቅድሚ 19 ዓመት፡ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ውሳነ ዝተዋህበሉ ዕለት።
ስምምዕ ኣልጀርስ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ ኣውሓስቲ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ተባሂሎም ክታሞም ዘንበሩ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን መንግስቲ ኣልጀርያን ነበሩ። ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቘፈ ዘይሻራዊ ዳናዪ ኮምሽን ክምስረት ዝእዝዝ ኮይኑ፡ እቲ ዝቐውም ኮምሽን፡ ንዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝምልከት መግዛእታዊ ውዕላት 1900፤ 1902፤ 1908፤ ከምኡ’ውን ምስ ጉዳይ ዶባት ተዛማድነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ሕጊ ምርኩስ ብምግባር ብይኑ ክህብን፡ ዶባት ሓንጺጹ ኣብ ባይታ ከመልክትን ስልጣን ዘሰከሞ ውዕል እዩ ነይሩ። በዚ ውዕል’ዚ ዝቘመ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ዝቐጸለ ልዕሊ ሓደ ዓመት፦

– ክልቲኦም ወገናት ሕጋዊ ጭብጢታቶም ከቕርቡ ዕድል ብምሃብ፤
– ብክልቲኦም ወገናት ዝቐረበ መርትዖታት ብምምርማር፤
– ስምምዕ ኣልጀርስ ብዘሰከሞ ሓላፍነት መሰረት፡ ዝምልከቶም መግዛእታዊ ውዕላትን ተዛማዲ ኣህጉራዊ ሕጊታትን ምርኩስ ብምግባር፡ ብ13 ማዝያ 2002 ውሳነኡ ሂቡ።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ