April 6, 2019

ስለዝተደጋገመ፡ ሓቂ ክኸውን
ዝኽእል ሓሶት የለን!

“ሚኒስተር ዜና ሚሊሽያ ሑቲ”፡ ኣብ’ታ ብኢራን እትምወል መደበር ቴለቪዥን ‘መያዲን’፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ሕሱር ጠቐነ ወርዊሩ ኣሎ።
ትሕዝቶ ናይ’ዚ ብ24 መጋቢት ዝተጋውሐ ውጹእ ሓሶት፡ “ናይ ዳዕሽን ኣልቓዒዳን ሽበራውያን፡ ድሕሪ’ቲ ናይ መወዳእታ ስዕረቶም፡ 4 ብርጌዳት ካብ ቱርኪ ኣብ ኤርትራ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። ዕላማኦም ከኣ፡ ንስምምዕ ሑደይዳ ንምዝራግ’ዩ” ዝብልን ካልእ ሃተውተውን ይርከቦ። እዚ፡ ብቓናኡ ካብ’ቲ “ኣልጀዚራ” ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ (መጋቢት) ብዛዕባ ዓሰብ ዘናፈሰቶ ጠቐነ ዝፍለ ኣይኰነን። እንተ መርገጺን ቃልስን ኤርትራ ኣንጻር ሽበራን ጥሩፍነትን፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ – ምስክርነት ዘየድልዮ – ንጹርን ዘይልወጥን እዩ።
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ – 4 ሚያዝያ 2019

Latest Articles

13 ابريل 2002 13 ابريل 2019 أيام لها تاريخ

13 ሚያዝያ 2002 13 ሚያዝያ 2019 ታሪኽ ዝመልአ መዓልታት

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ ሳልሳይ ምዕራፍ ቀዳሞት ኣድራጋ...