September 22, 2019

ሓባራዊ መግለጺ

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ክቡር ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብላዕለዋይ ልኡኽ ተሰንዩ፡ ካብ 14 ክሳብ 15 መስከረም 2019 ኣብ ሱዳን ዕዉት ወግዓዊ ዑደት ኣካዪዱ። ኣብ’ዚ ዑደቱ ድማ፡ ምስ ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ክቡር ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ፡ ኣብ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ፖለቲካውን ጸጥታውን ጉዳያት ዘትዩ።
ኣብ’ቲ ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎን ኣብ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ሃናጺ ዝርርባት ዝተኻየደሉን ምብጻሕ፡ ኣብ ጽኑዕ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ዝተሰረተ፡ ሓቀኛ ድሌት መሪሕነት ክልቲኡ ሃገራት ንዝሰፍሐ ምትሕግጋዝ ተረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ፡ ንህዝብን መንግስትን ሱዳን ዕብየትን ብልጽግናን ድሕሪ ምምናይ፡ ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ብዓወት ከምዝሰግሩዎ ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie