November 28, 2015

ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራ

ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራሕጊ ገበናዊ ስርዓት፣ ካብ ምሕባር ፍጻመ ገበን ክሳዕ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምሃብ ኣብ ዚካየድ ገበናዊ መስርሕ ኣብ መንጎ መሰረታውያን መሰላት ክሱስን ህዝባዊ ረብሓን ሚዛን ንምሕላው ዝተኣታቶ ሕጊ እዩ። ገበን ከም ዝፈጸመ ዝተጠርጠረ ወይ ክሲ ዝቐረበሉ ዝኾነ ሰብ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞ ኲኖ ርትዓዊ ጥርጣረ መርትዖ ክሳዕ ዚቐርበሉ ከም ንጹህ ሰብ ኪቝጸር ከም ዘለዎ፣ ካብ ዘይግቡእ ምርመራን ክስን ሓራ ኪኸውን፣ ሓገዝ ኣማኸርቲ ከም ዘድልዮም ዝተለልዩ ገለ ሰባት ኵሉ ግዜ ሓገዝ ኣማኸርቲ ኺረኽቡ፣ ሓደ ኽሱስ ኣብ መስርሕ ምርመራ ገበን፣ ክስን፣ መስርሕ ዳንነትን ብቕልጡፍን ፍትሓውን ኣገባብ ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ኺረክብ ከም ዚግባእ፣ ገለ ኻብቶም ንሕግታት ኤርትራ ብምጥሓሶም ገበን ከም ዝፈጸሙ ንዝተጠርጠሩ ወይ ዝተኸሱ ሰባት ዚወሃቡ መሰላት እዮም። ጐኒ ጐኒ እዚ፣ እዚ ሕጊ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ገበናዊ መስርሕ ህዝባዊ ረብሓ ዚውክሉ ዝተፈላለዩ ትካላት፣ ብፍላይ ድማ ኣብያተ ፍርዲ፣ ምኽባር ሕጊ፣ ፖሊስ፣ ሰብ መዚ ኣብያተ ማእሰርትን ካልኦት ብተመሳሳሊ ደረጃ ዝቘሙ ኣካላትን ኺህሉ ዚድለ ደረታት ዕማም፣ ስልጣንን ዝምድናታትን ብንጹር ብምምልካት ህዝባዊ ረብሓ ይሕሉ። ህዝቢ፣ ብፍላይ ድማ በቲ ብቐጥታ ይጽለዉ እዮም ዚብሃሉ ብዱላት፣ ኣብቲ ኣጠቓላሊ ዕላማ ምክልኻል ገበናትን ቅልጡፍ መስርሕ ገበናዊ ኽስን ብንጡፍ ከም ዚዋስኡ ብምግባርውን ህዝባዊ ረብሓ ይሕሉ።

ኣብ መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተጠርየ ተመኵሮን ናይ ካልኦት ሃገራት ኣሰራርሓን፣ ነዚ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ግደ ነይሩዎ። ድንጋገታት መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ፣ ነቲ ህዝብን ነበርትን ኤርትራ ይግብኦም እዩ ኢልና ወትሩ ዝኣመንናሉ ገበናዊ ስርዓት ከም መፈተኒ ባይታ ስለ ዘገልገለ፣ ብእወታ ዚግምገሙ ክፋላቱ ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ከም ዚህልዉ ተገይሮም ኣለዉ። ምስ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ምትእስሳር ዘሎዎም፣ ኣብቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኬገልግሉ ዝጸንሑ ልምዳውያን ሕግታት፣ ባህልታትን ልምድታትን ብተመሳሳሊ ዚርከቡ ገለ ቕቡላትን መሰረታውያን መትከላትን ኣረኣእያታትን ኣብዚ ሕጊ ከም ዚሕቈፉ ንምግባርውን ጻዕሪ ተኻዪዱ።

ናይዚ ሕጊ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ንንጡፍ ስራሕ ምብቃዕን፣ ኣብ ሕጊ ዝተመርኰሰ ተወሳኺ ትካላውነት ኣካላት ፍርድን ምትግባር ሕግን፣ ከምኡውን ህዝቢ ብዛዕባ መትከላት ገበናዊ ሕግን ሕጊ ገበናዊ ስርዓትን ቀጻልን ዝዛየደን ኣፍልጦ ኪህልዎ ዚሓትት እዩ። እዚ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ እዚ ምስ ገበናዊ ሕግን ካልኦት ዝምልከቶም ሕጋጋት ኤርትራን ተሳንዩን ተደሚሩን፣ ነቶም ድምር ዕላማታት ሰላማውን ውሑስን ህይወት ኣብ ትሕቲ ሕጊ፣ ምክልኻልን ምቅላስን ገበናት፣ ከምኡውን ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ገበነኛታትን ኬረጋግጽ እዩ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ