December 22, 2018

ቃለ-መሕትት ምስ ክቡር ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፖብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ

ኢሳቕ መሓሪ
ስ – ሳልሕ ዓ/ቃድር

ሕቶ፡-
ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ጽዑቕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ እንከሎኻ ነዚ ዕድል’ዚ ስለዝሃብካና ኣዝየ አመስግን። ሶማሊያ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ኲናት ዓመታት ሕጂ እያ ናብ ጐደና ሰላምን ምዕባለን ክትግስግስ ጀሚራ ዘላ’ሞ፡ ብሓፈሻኡ – ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይ’ዛ ሃገር እንታይ መብርሂ ትህበና?
መልሲ፦
ብመጀመርያ፡ ኣብዚ ብምርካብኩም አመስግን። ንሓወይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዛ ካልአይቲ ሃገሩ ዝኾነት ሶማሊያ ክቕበሎ ከለኹ ድማ፡ ዓቢ ክብሪ ይስመዓኒ። ናብ ሕቶኻ ክምለስ፡ ሶማሊያ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ዕንወትን ዘይምርግጋእን እያ ጸኒሓ። ሕጂ ንሕና ናብ ቤት ጽሕፈት ካብ እንመጽእ ኣስታት ክልተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ርግጸኛታት ንምዃን 18 ኣዋርሕ ማለት’ዩ። ኣብ ብዙሕ ግንባራትን ኩነታትን ጸጥታ’ውን ዘጠቓለለ ዓቢ ገስጋስ ጌርና ኣሎና። ከም እትፈልጦ ኣንጻር ጥሩፍነት ኢና ክንዋጋእ ጸኒሕና። ኣንጻር እቲ ምስ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ዝተኣሳሰርን ዝሕገዝን ጉጅለ ኣልሸባብ ኢና ክንዋጋእ ጸኒሕና። ነዚ ክንዓምም ድማ፡ ንሃገራዊ ሰራዊትናን ናይ ጸጥታ ትካላትናን ኢና ወዲብና። ዘመናዊ ታዕሊም ብምሃብን ዘድሊ ኣጽዋር ብምዕጣቕን፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ንኽዋጋእ

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ