September 17, 2016

ኢትዮጵያ ካብቲ ጎቢጣቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ኣለዋ

ኢትዮጵያ ካብቲ ጎቢጣቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ኣለዋ

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ኢትዮጵያ ካብ’ቲ 13 ሚያዝያ 2002 እቲ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወጸሉ ዕለት ኣትሒዛ ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ንውሳነ ኮምሽን ዶብን ብምግሃስ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ እንኮላይ ባድመ ጎቢጣ ትርከብ። በዚ መሰረት ከኣ፦

  • 1 – ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ካብዚ ብዘይ ሕጋዊ ሒዛቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክትወጽእ ኣለዋ።
  • 2 – ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባት ብፍላይ ከኣ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ሕጂ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝበሃል ዘሎ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከም ከም ዋሕሳት ኣብ’ቲ ብ12 ታሕሳስ 2000 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ መሰረት ሓላፍነቶም ክፍጽሙን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ንምትግባር ንኢትዮጵያ ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ንኽትወጽእ ከገድድዋን ኣብ ልዕሊኣ ኣድላዪ ስጉምቲታት ክወስዱን ኣለዎም።
  • 3 – ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ’ውን እንተኾነ ብመሰረት ኣብ ዓንቀጽ 14(ሀ) ናይ’ቲ ብ18 ሰነ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተጠቂሱ ዘሎ፡ ኢትዮጵያን ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ንኽትትግብር ከስገድዳን ኣብ ልዕሊኣ ብመሰረት ምዕራፍ ሸውዓተ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣድላዪ ስጉምቲታት ክወስድን ኣለዎ።
  • 4 – ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ መሬታ ተጎቢጡ እናሃለወ ትም ኢላ ክትርኢ ስለዘይትኽእል ኣብ ኣድላዪ እዋን፡ ከምቲ ትማሊ ሃገራዊ መሬታ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ካብ መግዛእቲ ሓራ ዝገበረት፡ ሕጂ’ውን ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጋዊ ናይ ነፍሰ ምክልኻል መሰላ ክትጥቀም ምዃና ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝውሰድ ግን ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባትን ባይቶ ጸጥታን ብመሰረት ስምምዓት ኣልጀርስን ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝእዝዞ ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ምስ ዝፈሽሉ ጥራሕ እዩ።

 

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ