May 25, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ራብዓይ ምዕራፍ
ኤርትራዊ ሕድሕዳዊ ዓመጽ
(4)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፣ መሰረታዊ ጎነጽ ከም ዝተወለዐ፣ በብቑሩብ ወግሐ ጸብሐ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ጀመረ። እቲ ዝተወለዐ ሽግር፣ ብስንኪ ምድፍፋእን ባርኾትን መግዛእቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልቲኡ ውድባት ሰውራ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ ዝብል ዘረባታት ኣሎ። ክልቲኦም ኣዕሩኽ ማለት ማሕጁብ ኣልጃዓልን እድሪስ መሓመድ ሳልሕን ከም ልማድ፣ ኣብታ እትስሕቦምን ዝፈትውዋን እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢሎም እናተዘናገዑ፣ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ተቐዳድሙ፣-“እዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ ቤላ-ቤሎው እንታይ’ዩ ትርጉሙ?” ክብል ምስ ሓተተ፣ እድሪስ ተቐቢሉ፣-“ነፍሰ-ወከፍ ውድብ ንተጻራሪኡ፣ እዚ ብብረታዊ ቃልሲ ኣይኣምንን’ዩ፣ እዚ ምስ ጸላእቲ ዝተሓባበር ውድብ’ዩ! ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ክስታት እናተደራበዩ ነንሕድሕዶም ክወናጀሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ብዙሓት ደገፍትን ተደናገጽትን በቲ ኣብ ውሽጢ ሰውራ ኤርትራ ዝተራእየ ምስሕሓባት ስንባደ እኳ እንተ ተራእዮም፣ ኣብ መንጎ ክልቲአን ውድባት ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ዝድለ ጻዕሪ ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይወዓሉን። መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ትስፍው ምስምማዕ በጺሖም ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ዝተፈላለያ…

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie