March 9, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሳልሳይ ምዕራፍ
ቀዳሞት ኣድራጋ ጠያይቲ

(1)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ነቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኣሳስር ዝነበረ ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ስርዓት ንምብርዓን ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን፣ ዝነበረ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ይኹን፣ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምልሓቕ ዝውሰዱ ዝነበሩ ዝተፈላልዩን ዝተጻረሩን ፖለቲካዊ፣ ጸጥታዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ስጉምትታት፣ ኣብ መላእ ከባቢታት ኤርትራ፣ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ኣድማታትን ተቓውሞታትን ክልሕሙ ጀመሩ።

ኣብ ሱሳታት፣ ኣብ መንጎ ሓያሎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝተፈለለየ ኣጠማምታ ክነግስ ጀመረ። ገለ ብፖለቲካዊ ድርኺት ተደፋፊአን ንፈደራላዊ ምትእስሳር ኤርትራን ኢትዮጵያ ክነጽጋ ከለዋ፣ ገለ’ውን ብተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ምድፍፋእ ተደሪኸን ንሓድነት ኤርትራን ኢትዮጽያን ክድግፉን ክወዳደራን ተራእያ። ካልኦት ካብአን ብዘይፍለ ድማ ብቀቢላዊ፣ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ስምዒታት ተደፋፍአን፣ ንኣብ መንጎ “ሽማግለን ትግረን”፣ ንኣብ መንጎ “ዝተፈላለያ ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን” ዝነበረ ፍልልያትን ዘይምቕዳውን መዝሚዘን፣ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዝተፈላለየ ምግልባጥን መልክዓትን ከምዝህልዎ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓላን።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ