December 15, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ
ቀዳማይ ምዕራፍ፣
ምብ’ ርባር

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
(5)

ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ከኣ ብፍላይ: ግፍዕታት መንግስቲ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ከይዓጀቦም: መሰላቶም ንምርግጋጽን ንምዕታርን: ኣብ 1958 ሰላማውን ፖለቲካውን ሰልፍታቶም ኣበርተዑን ኣዛየዱን። ክልተኡም ኣዕሩኽ: እድሪስን ዑመር የመኒን: ምስ’ቶም ካብ ኤርትራ ነብሶም ንምድሓን ዝሃድሙ ዝነበሩ ኤርትራውያን እናተራኸቡ: ኣፍልጦኦም ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፣ ከዕብዩ ይጽዕሩ ነበሩ። መዓልቲ-መዓልቲ: ብፍላይ ጸሓይ ኣብ እትዝሕለሉ እዋን: ሻሂን ቡንን እናሰተዩ: ኣብ እንዳ ሻሂ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ኮይኖም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሮምን ሱዳንን እናኣልዓሉን እናተመያየጡን ግዜኦም የሕልፉ ነበሩ። ሓንቲ ምሸት: ከም ቀደሞም ኣብ’ታ እንዳ ኣልጃዓሊ ቤት-ሻሂ ኮፍ ኢሎም ከለዉ ዑመር የመኒ:-“ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ካልእ መልክዕ ክወስድ ጀሚሩ’ሎ።” “እንታይ ሓድሽ ተረኽበ? ዘይፈለጥናዮ ኣሎ ድዩ?።” እድሪስ ብተገዳስነት ሓተተ።“ቅድሚ ሳልስቲ: ገለ ካብ ዓድና ዝመጹ ስድራቤ-ታት: ኣብ ከባቢ ገዛውትና ወሪዶም ከም ዘለዉ: ምስ ሰማዕኩ: ናብ’ቲ ዝነበርዎ ከይደ፣ ኩነታቶም ክፈልጥን ክሕግዝን ተበገስኩ። ከም ኤርትራዊ መጠን: ዓቕሚ ይሃልዎም ኣይሃልዎም: ክንሕግዝ ግቡእ እዩ።” መለሰ ዑመር

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ