November 27, 2021

ዕላል ምስ  ስዉእ ሓርበኛ ተጋዳላይ
ጸሓፊ ህግደፍ
ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ – 2010

መጽሔት መንእሰይ
(ሓምለ 2010 ቁ.27 ሕታማ)
መስፍን ገብረሂወት
መንእሰያት፡ ካብ ተሞክሮ ብጻይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ክቐስምዎ ዝኽእሉ ትምህርቲ ዓብዪ ብምዃኑ፡ ነቲ ናይ ሽዓኡ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ከነቕርቦ መሪጽና ኣሎና – ሰናይ ንባብ።

* ክቡር ብጻይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ብናይ ቁልዕነት ተዘክሮኻ ክንጅምር። እዋን ቁልዕነትካ ኣበይን ብኸመይን ኢኻ ኣሕሊፍካዮ?
– ታሪኽና፡ ውልቃዊ ነገር ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ታሪኽ ናይ ኩሎም ወሎዶታት እዩ። ብዛዕባኡ ክትዛረብን ክትርእን ድማ’ዩ ኣገዳሲ። ብዝኾነ፡ እቲ ሕቶ ካብ ተላዕለ፡ ኣነ ብ1947 ወርሒ 3 ኣብ ገዛ ብርሃኑ ዝብሃል ስፍራ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊደ። መበቈል ዓድና ኣብ ባጽዕ፡ ሕንጥብሎ ዝብሃል ቦታ እዩ። ወዲ 6-7 ዓመት ምስ ኮንኩ፡ ብ1953 ማለት’ዩ፡ ምስ ስድራና ናብ ስደት – ናብ ስዑድያ ኢና ኣምሪሕና። ክሳዕ 1961 ድማ ኣብኡ ኔርና። ብድሕሪኡ ናብ ኤርትራ መጺእና፡ ኣብ ባጽዕ ሓደ ዓመት ተቐሚጠ። ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ እስላምያ (ዕዳጋ ሓሙስ) ተማሂረ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ትምህርቲ በናድርን ቤት ትምህርቲ ልዑል መኮነንን ኣብኡ ምስ ዝነበረ ኣኮይ ኮይነ ተማሂረ። ኣሕመድ ጃዕፈር’ዩ ዝብሃል። ኣብ መጀመርታ 1964 ኣቢለ ድማ ናብ ኣስመራ ተመሊሰ። ካብ ኣስመራ ኸኣ ናብ ባጽዕ። ኣብ ወርሒ ሰነ 1964፡ እንደገና ናብ ስዑድያ ኣምሪሕና። ምስ ስድራ ማለት’ዩ። *ትምህርቲ’ሞ ከመይ ቀጺልካዮ? -ዝበዝሕ ትምህርተይ ኣብ ስዑድያ እዩ ነይሩ። ከተማ ጀዳ ሓንቲ ካብ’ተን ፍሉጣት ከተማታት እያ።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ