May 30, 2015

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን፡

President Isaias Afwerki's 24th Independence Anniversary Speech

ኣቐዲመ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ፈተውቱን፣ ዮሃና ንኽብሪ 24 ዝኽረ-ዓመት ናጽነት እናበልኩ፡ ነቲ ናጽነቱ ክዉን ንምግባርን ክብሪ ልዑላዊነቱን ሓርነቱን ንምሕላውን መዘና ዘይርከቦ መስዋእቲ ከፊሉ፡ መኸተኡ እናደርዐ ኣብ’ዚ ዝበጽሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓበንን ሞሳን ንዓኻ! ንኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ምስ ኩሎም ነዚ ኣጋጣሚ ንምምዕራግ፡ ኣብ ትሕቲ “ልምዓት ብጽንዓት” ዝብል ቴማ፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ መሳጢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኩሎም ከኣ ልዑል ምስጋና!

ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኣብ እነብዕለሉ ዓመት-ዓመት፡ ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ እናገምገምና፡ ንመጻኢ፡ እንታይ ክጽበየና’ዩ ዘይኰነ፡ እንታይ ክንዓምም እንብለሉ ኣጋጣሚ’ዩ። ናጽነትን ትርጉሙን ክብሩን፡ በቲ ዝተኻየደ ሓርነታዊ ቃልሲን ዝተኸፍሎ ክቡር መስዋእቲን ጥራይ ዘይኰነ፡ በቲ ንምሕላዉን ንምህናጹን ዝካየድ ቃልሲን መስዋእቲን’ውን’ዩ ዝትመን። ናጻ ሃገር ምምጻእን ናጻ ሃገር ምህናጽን ተመላላእቲ ስለ ዝዀኑ፡ ሓቀኛ ናጻ ሃገር ‘ተዘይተሃኒጹ፡ ቃልስናን መስዋእቲ ጀጋኑናን፡ ዛንታ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። በዚ ሓላፍነታዊ ሕልና፡ ውርሻን ባህሊን ከኣ ኢና ዝሓለፈ እናገምገምና፡ ቀጻሊ ምረሻና ንቕይስ።

ዓመት-ዓመት ከከም ባህሪ ናይ’ቲ ንሓልፎ ዓመት፡ ምስ ዝሓለፉዎ ዓመታት ደሚርና ኣብ እነንብበሉ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት፡ ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ሓሊና፡ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ደቃን ሓርበኛ ህዝባን ትበቅዕ ሃገር ንሃንጽ ኣሎና ዲና? ኣብ እንብለሉ፡ እንሓንብ’ውን ፍልልይ ክብደት ብድሆታት ሓርነታዊ ቃልሲን ህንጻ ናጻ ሃገርን እናነጻጸርና ኢና ንግምግም።

ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ዝደናደኑ ሓይሊታት፡ ንሳቶም እቶም ኣብ መወዳእታ ኣርብዓታት ናይ’ቲ ዝሓለፈ ዘመን፡ ናጽነት ኤርትራ ንእስትራተጂያዊ ረብሓታቶም ‘ኣየገልግልን’ዩ’ ኢሎም፡ ንጥቓ ፍርቂ ዘመን ተሃላሊኾምና፡ ብጽንዓትን መሰታ ዘይርከቦ ጅግንነትን ዝሰዓርናዮም ሓይሊታት’ዮም። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ሽሕ’ኳ ምስ ምኽታም ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ዓለማዊ ስርዓት ዲናሚካዊ ምቅይያራት ኣብ መስርሕ እንተሎ፡ ኣመሪካ ትውክሎ፡ ብስስዐ ዝድረኽ ሓይሊ ዓብልል-ገብት፡ ቀሲንና ናጻ ሃገርና ከይንሃንጽ፦ . . . ምስ የመን ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ተላዒሉ ዘይፈልጥ ጉዳይ ዶብ ብምስዋርን፡ ዓላቚ ብይናት ኣብ ምሕላፍን፡ . . . ስዒቡ ብጉልባብን ከዳምነት ወያነን፡ ትርጉም ዘይብሉ ጉዳይ ባድመን ዶብን ኣሳዊርካ፡ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ረኺቡ ከይዕጾ፡ ንናይ መወዳእታን ቀያዲን ብይን ከይትግበር ከቲርካ፡ ብቅሉዕ ርግጸት ፍትሒ፡ ወራር ምንህሃር፡ . . . እዚ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ስለዘይጽዓደ፡ ናይ ጠቐነ እገዳ ከምዝብየን ምስግዳድ፡ . . . ቀጺሉ ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ባብ-መንደብን ዘሎና ታሪኻዊን ክውንን ህላዌን ተራን ንምርሓቕ’ ብኣሳሳዪነት ጃንዳ ጂቡቲ፡ ኣብ ታሪኽ መግዛእታዊ ምጥፍጣፍ ናይ’ዚ ዞባ’ዚ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ግጭት ኣሳዊርካ፡ ጅሆ ናይ ዞባዊ ቅልውላዋት ንምሓዝና ዝተኻየደን ዝካየድን ናይ ከንቱ ሽርሒታት፡ ሕላገታት ንናጽነትናን ልዑላዊነትናን ዝመከትናሎም ተጻብኦታት’ዮም። ፖለቲካዊ መስርሕ ህንጸት ሃገር ንምዝራግ ኰነ፡ ቁጠባዊ ልምዓትን ዕብየትን ሃገር ምእንቲ ክርመስ ዝተኻየደን ዝካየድን፡ በርዓኒ ሽርሒታትን ቅሉዕ ወተሃደራዊ ተጻብኦታትን’ውን ኣካልን መመላእታን ናይ’ቲ ዛንታ’ዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ብዘይዕረፍቲ ዝፍጸም ወራርን ተጻብኦን፡ ኣባና ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ ዓለማዊ “እስትራየጃዊ ረብሓታትና” ዝብልዎ ፖሊስታት ዕንደራ ዝስራዕ’ዩ። ብፍሉይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ነዚ ናይ ዓብልል-ገብት እስትራተጂያዊ ህሩፍ ሸውሃት፡ ተሪር መኸተ እናጋጠሞ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ዘወርጽጹዎ ስልቲ፡ ናይ ህውከት፡ ናይ “ህውከት ኲናት” ወይ “ኲናት ብህውከት” ክበሃል ዝከኣል ዓንዳሪ ጸወታታት’ዩ።
ካብ ኣፍጋኒስታን ጀሚርካ፡ ብዝተፈላለየ ምስምሳት ኣብ’ቲ ከባቢ ዝወልዑዎ ዛጊት ዘይቀሃመ ባርዕ፡ . . . ኣብ ዒራቕ ህውከት ህልቂትን ምብትታንን፡ . . . ኣብ ሶማልያ ዘይዓርፍ ህውከትን ምፍንጫልን፡ . . . ኣብ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ሩፍታ ዘይህብ ቀጻሊ ነውጺ፡ . . . ግብጺ ን30 ዓመታት ከምእትለምስ ተገይሩ ከይኣክል፡ ክትትንስእ ኣብ እትብገሰሉ፡ ናብ ሰለሎ ንምምላስ ዝካየድ ሸርሕታት፡. . . ኣብ ሊብያ ህውከትን ዕንወትን፡. . . ኣብ የመን ህውከትን ሃጓፍን፡ . . . ንሕቡእ ኣጀንዳታት ኣብ ተፋሰስ ኒል ወጥሪ ምስዋር፡. . . ፈቖድኡ ብዝተፈላለየ ኣስማት እናተጠመቓ ዝጫጭሓ ናይ ሽበራ ውድባት እናዋፈርካ፡ ንህውከትን ዕንወትን፡ ህውከትን ዕንወትን ምውሳኽ፡ . . . መኣዝን ዘስሓቱ ሃይማኖታዊ ምትፍናናት ምጥቛስን ምስዋርን፡ . . .ሃገራት’ዚ ዞባ፡ ሽግራተን ባዕላተን ከይፈትሓ፡ ዞባዊ ውድባት ኣልሚስካ፡ ነቲ ዞባ ብምሉኡ ናብ ዘይዓርፍ ህውከት ምንቋት፡ . . . በታቲኽካ ዘይርአ፡ ኣብ ውሽጢ እስትራተጅያዊ ረብሓታት ዓብልል-ገብት ዝስራዕ፡ ድራማቲካዊ ናይ’ዚ ርብዒ ዘመን ስእሊ’ዩ። እዚ ናይ ህውከት ኲናት ዘኸተሎ ሃጓፋትን ምምዝባል ሚዛናትን፡ ከም ጉልቡብ ምርቓ ወሲደን፡ ዞባዊ ጽልዋታተን ንምዕባይ፡ ብዝተፈላለየ ምስምሳት ንህውከት መሊሰን ዝሕንክራ፡ ‘ናይ ዞባ ጎብለላት ኢና’፡ ወይ ‘ክንከውን ኢና’ ዝብላ ዘዛይድኦ ምትሕልላኽ’ውን፡ ነጺልካ ዝርአ ኣይኰነን። ኣብ ልዕሊ ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ብቐጻሊ ኪካየድ ዝጸንሐ ሽርሒታት እምበኣር፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝገፍሐ ስእሊ ክርአ ዘለዎ’ዩ።
ኣብ መቓን ከም’ዚ ዝበለ ዝምቡዕ ፖሊስታት ዕንደራ፡ ድሕነት ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ንምክልኻል ዘካየድናዮን እነካይዶን መኸተ፡ ካብ’ቲ ጽዋእ ናጽነትና ንምጭባጥ ዘካየድናዮ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝንእስ ኣይኰነን። ምስ ኩሎም ናይ’ዚ ዞባ ድሕነት፡ ርግኣትን ስኒትን ዝሰርሑ ሓቢርና፡ ነቲ ብድሆታት እናገጠምና ንግስግሰሉ ኣብ ዘሎና መስርሕ፡ መኸተናን ጽንዓትናን እናሐየልና ከምንዕወት ከኣ ግዜ ዝምስክሮ ኪኸውን’ዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡
ምስ ኩሉ ድሕነት ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ንምክልኻል ከነካይዶ ዝጸናሕና መኸተ ጽንዓት፡ ከም’ቲ ተጻባእትና ዝምነዩዎ፡ ንግዳማዊ ጐነጻት ጅሆ ከይተተሓዝና፡ ከም ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታትና ዝሓዝናዮ ጽምዶ፡ ልምዓት ብኲናት ናይ ዝዓነወት ሃገር’ዩ።
መኣዝን ህንጸት ሃገር ብልምዓት፡ ከም’ቲ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ መብጽዓ ጥራይ ዘይኰነ፡ መባእታዊ መሰል ዜጋታት’ውን ስለ ዝዀነ፡ ምዕሩይን ርትዓዊን ዝርግሐ ዘለዎ፡ መነባብሮ ኩሎም ዜጋታት ንምምሕያሽ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር፡ ሰፊሕ ትሕተ-ቅርጺን ኣገልግሎታትን ኣብ ምዝርጋሕ ዝቐንዐ’ዩ። ኣብ መንጎ ከተማታትን ገጠራትን ዝህሉ ጋግ ዘጽብብ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጋጋት ዘቀራርብ፡ ማለት ብቑዕን ዓንጋሊን መግቢ ንዘይረኽቡ፡ ጽሩይን ዝኣክልን ማይ ንዘይበጽሖም፡ ብቑዕ መንበሪን ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ንዘይብሎም፡ ስሉጥ መበጻጽሒ ጽርግያታትን መጐዓዕዚን ንዘይረኽቡ፡ ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርቲን ንዘይረኽቡ፡ . . . ጸጋታቶምን ዓቕሚታቶምን ኣዕብዮም፡ መጻኢ ዕድላቶምን ምንጪ እቶቶምን ንኸውሕሱ፡ ቀዳምነት ዕድል ዝህብ’ዩ። እዚ መኣዝን ልምዓትን ዕብየትን፡ ባህጊ ወይ ለውሃት ናይ ዝዀነ ዘይኰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ መስዋእቲ ዝኸፈለሉን ዝኸፍለሉን ናይ ሓርነትን ናጽነትን መሰሉን ግዴታን’ዩ። ዘዝቐደመን ዘዝበለጸን ንዓይ ዝብል መጐት ክገዝኦ ኸኣ ኣይክእልን።

ከምዚ’ ዝበለ፡ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ልምዓት፡ ንፍርቂ ዘመን ዕድል ልምዓት ኣብ ዝተነፍጎ፡ ትሕተ ቕርጹ ዘይማዕበለን ዝዓነወን ሃገር ንምዕዋት፡ ግዜ፡ ጸጋታትን ስራሕን ይሓትት። ግዜን ፍጥነቱን መድረኻቱን፡ ጸጋታትን መዓላኦምን ኣጠቓቕማኦምን ስራሕን፡ ዓይነቱን ኣድማዕነቱን፡ ጥንቁቕ ወድዓዊ ምውጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብድሆታት ንምምካት፡ ጽንዓት ይሓትት።
በዚ መንፈስን መኣዝንን እዚ፦ . . . ኣብ ትሕተ ቕርጺ — ጽርግያታት፡ ጽዓት፡ ማይ፡ ወደባት፡ መዓልቦታት፡ መራኸቢታት፡ መጐዓዝያ፡ ኣብ ሕርሻ. . . ኪኖ ውሕስነት መግቢን ርእስኻ ምኽኣልን ዝኸይድ፡ ልምዓት ዓይነታት ኣዝርእቲን ሃብቲ እንስሳን፡ . . . ኣብ ሃብቲ ባሕሪ – – ብቐንዱ ንዕቑር ጸጋታት ዓሳ ናይ ምምዝማዝ ዓቕሚን ዓቐንን ምዕባይ፡ . . . ኣብ ምስናዕ- ኣብ ኩሉ ዓይነት ኢንዱስትሪን ዋኒናትን፡ ንዘቤታዊ ዕዳጋን ሰደድን፡ ዓይነታዊ ፍርያት ዘቕርብ፡ ደላብ-ክብሪ ዘመናዊ መመስርሒታት ምምዕባል፡ . . . ኣብ ኣገልግሎታት- ንዕብየት ቱሪዝማዊ ጸጋታትን ባሕራዊን ኣየራዊን፡ ዞባዊን ዓለማዊን ንጥፈታት፡ ዓይነታዊ መሳለጥያታት ዘቕርብ፡ መርበባት ምውዳድ፡. . . ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት – ሰባዊ ማል ዘኻዕብት፣ ዓይነታዊ ናይ ጥዕናን ትምህርቲን ስልጠናን ስርዓታት ምዝርጋሕን ምምዕባልን፡ . . . ንኹሉ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዝቕየስ ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ንምትግባር በኣድማዕነት ዘሳልጥ ሞያዊን ቴክኖሎጂያዊን ብቕዓት ብቐጻሊ ምድላብ፡ . . . ካብቶም ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 24 ዓመት ኪጸዓተሎም ዝጸንሐ ቀዳምነታት’ዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ዝተዓሙ ሸቶታትን ጽፍሒ ናይ’ቶም ዝተበጽሑ ሸቶታት ብመንጽር ስትራተጂያዊ ዒላማታት (ታርጌታት) ዝርዝራቱ ኣብ መዛግብቲ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ስትራተጅያዊ ዒላማታትን ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ገስጋስን ዘሎ ጋግ ዓቢ’ዩ። (ነዚ ኣጋጣሚ ድርሳን ከይነውሕ፡ ንዝርዝራት ዝምልከት ኣሃዛዊ ወድዓዊ ገምጋም ክሰግሮ’የ) እዚ ማለት፡ ወጻኢ ካብ ፕሮፓጋንዳ ህዝባዊ ርክባት፡ ኣብ ዝወጠንናዮም ዒላማታት ኣይተዓወትናን ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ክንበጽሖ እንደሊን ንኽእልን፡ ኣብ መንጎ ሕጂ ድሕሪ 24 ዓመታት ዘሎናዮን ፍልልይ ንእሽቶ ዘይምዃኑ ዝእምት ጥራይ’ዩ። ናይ ምትግባር ርጉጽነትን ስሉጥነትን ዘውሕስ ባይታን ሃዋሁን ምጥጣሕ መሰረት ስለ ዝዀነ ግን ምስ ምሉእ ምትእምማን፡ ዝሓለንናዮን ዝወጠንናዮን ከነተግብር ዝዓግት ኣይክህልወናን እዩ። ካብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጀሚርና ግዜን ጸጋታትን ውሁብ ዓቕምታትን ደንዲንና፡ ኣወንዚፍናዮም ዝጸናሕና ዓበይቲ ፕሮግራማት ከነተግብር ክንጅምር ከኣ፡ መሰናድኦታትና ኣብ ምጽፋፍ ንርከብ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ከም መዘኻኸሪ ከይጠቐስኩዎ ኪሓልፍ ዘይደሊ ግንዛበ ዝሓትት ጉዳይ ኣሎ። ኣብ ልምዓት ይኹን ምድላብ ሃብቲን ራህዋን፡ ኣቋራጫትን ቅጽበታዊ ዝላታትን የለን። ድሌትን ባህጊን ምህላው፡ ነውሪ ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ከም ዝተኸስተ፡ ናይ ውሑዳት ኣወቓቓዕቲን ብኩላት ሓለፍቲን ባህርያት፡ ንዘይከኣል ክትርበጽ፡ ከይደኸምካን ከይጸዓትካን ናብ ዘይጭበጥ ራህዋን ሃብቲን ክትዓርግ ምህቃን፡ ናብ ስርቂ፡ ምውቕቓዕን ብልሽውናን ኣሀውቲቱ ንገደል ስለ ዝወስድ፡ ትኩርነትን መኸተን ዝሓትት’ዩ። ንመጻኢ ተኣሚሞም ዘለዉ ዓበይቲ መደባትና ንምዕዋት እምበኣር፡ ኣብነት ናይ’ቶም ምስ ኩሉ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ፡ ሞሳኦም ከይረኸቡ፡ ምስ ሰፊሕ ዛጊት ብምልኣት ዘይረሃዎ ህዝቢ፡ ናጽነትን ልዑላዊነትን እናሓለዉ፡ ኣብ በዳህቲ ልምዓታዊ ጽምዶታት ሓዀት ዝብሉ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ተኸቲልና፡ ብትዕግስቲን ስራሕን፡ ልምዓት ብጽንዓት ነቐድም።

ክብሪ ናጽነት ክውን ዝገብሩ ሓርበኛታትን ሰማእታትን!
ዓወት ንሓፋሽ!

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ